bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Micah 4
Micah 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 5 →
1
በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኹድኹዶታት ከአ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።
2
ሕጊ ኻብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከአ ካብ ዮርሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ኪከዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄርን ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፡ ንሱ ኸአ ጎደናታቱ ኺምህረና እዩ፡ ንሕናውን ብመገድታቱ ኺንመላለስ ኢና፡ ከአ ኪብሉ እዮም።
3
ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ፡ ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከአ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኩናውቶም ድማ ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም።
4
ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከአ የልቦን።
5
ኩሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፡ ንሕናውን ንዘለአለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና።
6
በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ሓንካስ ክእክባ ነታ እተሰጎትን ነታ አነ ዘጨነቕክዋን ክሕብረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7
ነታ ሓንካስ ንተረፍ፡ ነታ ናብ ርሑቕ እተሰጎት ከአ ብርቱዕ ህዝቢ ኺገብረን እየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ከረን ጽዮን ካብ ሕጂ ንዘለአለም ኪነግስ እዩ።
8
ኣታ ግምቢ መጓሰ፡ ኣታ ኹርባ ጓል ጽዮን፡ ናባኻ ኽትመጽእ፡ እወ እታ ጥንታዊት ግዝኣት፡ እታ መንግስቲ ጓል ዮርሳሌም ክትመጸካ እያ።
9
እምበኣርሲ ስለምንታይ ደአ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ፡ ከም እትሐርስ ሰበይቲ ቕልውላው ዚሕዘክስ፡ ንጉስዶ ኣብ ማእከልኪ የሎን፡ መኻሪኸዶ ጠፊኡ እዩ፡
10
ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ሕጂ ኻብታ ኸተማ ኽትወጺ፡ ኣብ መሮር ከአ ክትሰፍሪ፡ ክሳዕ ባቢሎን ድማ ክትመጺ ኢኺ። ኣብኡ ኽትድሕኒ ኢኺ፡ ኣብኡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእትኺ ኺብጀወኪ እዩ እሞ፡ ከም እትሐርስ ሰበይቲ አቕለለውን ተጨነቕን።
11
ሕጂ ኸአ፡ ትርከስ፡ ኣዒንትና ድማ ናብ ጽዮን ይጠምታ፡ ዚብሉ ብዙሓት ህዝብታት ተአከቡኺ።
12
ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈለጡን ምኽሩውን ኣየስተውዐሉን፡ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ይእክቦም አሎ።
13
ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ቀርንኺ ሓጺን፡ ሾኾናኺ ድማ ነሓሲ ኽገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢ ኣኺዲ፡ ብዙሓት ህዝብታት ከአ ክትሰባብሪ ኢኺ፡ ኣነውን ዘመቲኦም ንእግዚኣብሄር፡ ሃብቶም ድማ ንጐይታ ኹላ ምድሪ ክቕድሶ እየ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7