bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Song of Solomon 1
Song of Solomon 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 2 →
1
መሃልያ ናይ ሰሎሞን።
2
ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፡ ብምስዓም ኣፉ ይስዕመኒ።
3
ቅብእኻ ምኡዝ ሽቱ ኣለዎ፡ ስምካ ዝፈሰሰ ቕብኢ እዩ፡ ስለዚ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።
4
ደድሕሬኻ ክንጎይስ፡ ሰሐበኒ፡ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኚ ኣእተወኒ፡ ብኣኻ ኽንሕጎስን ባህ ኪብለናን እዩ፡ ሓለፋ ወይኒ ንፍቕርኻ ኽንንእድ ኢና፡ ብቕንዕና እየን ዚፈትዋኻ።
5
ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፡ ግናኸ ከም ድንኳውንቲ ቔዳር፡ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን ጽብቕቲ እየ።
6
ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡ ጸላም ስለ ዝኾንኩ ኣይትጠምታኒ። ደቂ እኖይ ኮረዩለይ፡ ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሩኒ፡ ኣታኽልቲ ወይንስ ናተይ እኳ ኣይሐሎኹን።
7
ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፡ ንመጓሴኻ ኣባይ ተውዕለን፡ ቀትርስ ኣበይ ተዕርፈን ኣሎኻ። እስኪ ንገረኒ፡ ስለምንታይከ ኣብ መጋሰ መሓዙትካ ከም ኮብላሊት ዝኸውን፡
8
ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እንተ ዘይፈለጥካስ፡ ኣስአሰር መጓሰ ውፈሪ እሞ፡ መሓስእኪ ኣብ ጥቓ ድንኳውንቲ ጓሶት ኣብልዒ።
9
ኣቲ ፍትውተይ፡ በታ ሰረገላ ፈርኦን እትስሕብ ባዝራ መሰልኩኺ፡
10
መልክዕ ጉንጭኺ ብስልማት፡ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ጽቡቕ እዩ።
11
ኣድሪ ብሩር ዘለዎ ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።
12
ንጉስ ኣብ መአዱ ኸሎ፡ ናርዶሰይ መአዛኡ ሰደደ።
13
ፈታውየይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ዘዐርፍ፡ ንአይ ቁጻር ከርበ እየ።
14
ፈታውየይ ንአይሲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔንጌዲ ዚበቑላ ዘለላ ሪሓን እዩ።
15
እኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣዒንትኺ ርግብታት እየን።
16
እኔኻ፡ ኣታ ፈታውየይ፡ ጽቡቕ ኢኻ፡ ተፈታዊ ድማ ኢኻ፡ ዓራትናውን ልምሉም እዩ።
17
ኣግማል ቤትና ኦም ሊባኖስ፡ ግድጊዳና ኸአ ጽሕዲ እዩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8