bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Song of Solomon 3
Song of Solomon 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 4 →
1
ብለይቲ ኣብ ዓረተይ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደሌኽዎ፡ ደሌኽዎ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።
2
ክትንስእ እየ እሞ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸአ ክደልዮ እየ። ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።
3
ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ፡ ኢለ ኸአ ሐተትክዎ።
4
ቅሩብ ምስ ሐለፍክዎም፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፡ ሓዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሓደግክዎን።
5
ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ንፍቕሪ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሚዳቑን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ።
6
እዛ፡ ዓንዲ ትኪ መሲላ፡ ከርበን ዕጣንን ናይ ነጋዶ ኹሉ ዓይነት ቀመማትን እትጨኑ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ፡
7
እንሆ፡ ዓራት ሰሎምን ካብ ጀገኑ እስራኤል ስሳ ጅግና ኸቢቦምዋ።
8
ኩላቶም ሰይፊ ዚሕዙ፡ ምሁራት ውግእ እዮም። ስለ ፍርሃት ለይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ዕጡቕ እዩ።
9
ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኦም ሊባኖስ ንርእሱ ዓራት መስከሚ ገበረ።
10
ኣዕኑድ ብብሩር፡ መጸግዒኡ ብወርቂ፡ መቐመጢኡ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ። ውሽጢ ኸአ ኣዋልድ የሩሳሌም ብፍቕሪ ዝጠለፋኦ እዩ።
11
ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ምስቲ ኣዲኡ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጎስ ልቡን ዝኸለለቶ ኣኽሊል ክትርእያኦስ ውጻ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8