bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Zechariah 2
Zechariah 2
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 3 →
1
ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ ዝነበሮ ሰብኣይ ርኤኹ።
2
ኣነ ኸአ፡ ናበይ ኢኻ እይኸይድ ዘሎኻ፡ በልኩ። ንሱውን፡ ንዮርሳሌም ምግፍሓን ምንውሓን ክንደይ ከም ዝኾነ ኽርእስ፡ ክልክዓ እየ በለኒ።
3
እንሆ ኸአ፡ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወጸ፡ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪጓነፎ ወጸ።
4
ንሱ ኸአ፡ ጎየ፡ ነዚ ጎበዝ እዚ፡ ዮርሳሌም፡ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከላ ስለ ዝበዝሑ፡ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን ፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክኾነላ፡ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፡ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮ በሎ።
5
ንሱ ኸአ፡ ጎየ፡ ነዚ ጎበዝ እዚ፡ ዮርሳሌም፡ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከላ ስለ ዝበዝሑ፡ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን ፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክኾነላ፡ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፡ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮ በሎ።
6
እግዚኣብሄር፡ ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ተንስኡ፡ ተንስኡ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7
ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን ኣትነብሪ ጽዮን፡ ኣምልጢ።
8
እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ፡ መርዓት ዓይኑ እዩ ዚትንኪ እሞ፡ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዝመቱኹም ኣህዛብ ለአኸኒ።
9
እንሆ፡ ኣነ ኢደይ ከልዕለሎም እየ፡ ንሳቶም ከአ ነቶም ግዙኣቶም ዝነበሩ ዘመተ ኪኾንዎም እዮም፡ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።
10
ኣቲ ጓል ጸዮን፡ እንሆ፡ እመጽእ አሎኹ፡ ኣብ ማእክልኪ ኸአ ክነብር እየ እሞ፡ እልል በሊ ተሐጎሲውን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓትህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ኪሐብሩ፡ ህዝበይ ከአ ኪኾኑ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ፡ ንስኺወን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኺ ኸም ዝላኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።
12
እግዚኣብሄር ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንይሁዳ ኸም ግዲኡ ኺርስትያ፡ ንዮርሳሌም ከአ ገና ኺሐርያ እዩ።
13
እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ስጋ ዝለበሰ ኹሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይበል።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14