bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Kings 1
1 Kings 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 2 →
1
ንጉስ ዳዊት ሸምገለ፤ ዕድሚኡውን ነውሐ፤ ክዳውንቲ እንተ ደረቡሉኳ ኽመውቕ ኣይከኣለን።
2
ሽዑ እቶም ኣገልገልቱ “ንጐይታና ንንጉስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ቆይማ እተላዕሎን እትኣልዮን፥ ምእንቲ ኽመውቕ ከዓ ሓቚፋቶ እትድቅስ ድንግል ጓል ክንደልየሉ” በልዎ።
3
ሽዑ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል መልክዐኛ ጓል ደለዩ። ንሱናማዊት ኣቢሳውን ረኸቡ እሞ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣምፅእዋ።
4
ንሳ የመና ፅብቕቲ ነበረት፤ ንንጉስ ከዓ ትከናኸኖን ተገልግሎን ነበረት፤ እቲ ንጉስ ግና ኣይፈልጣን ነበረ።
5
ኣቤሴሎም ስለ ዝሞተ፥ እቲ ኻብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ወዲ ዳዊት፥ ድሕሪ ኣቤሴሎም ዝተወለደ ነበረ። ንሱ የመና ምልኩዕ ሰብኣይ ነበረ፤ ኣቦኡውን ምሉእ ህይወቱ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኸምዙይ እትገብር?” ኢሉ ነቒፍዎ ኣይፈልጥን ነበረ። ሽዑ “ኣነ ኽነግስ እየ” ብምባል ተልዓለ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ሰብኡትን ከዓ ኣዳለወ።
7
ንኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ንኻህን ኣብያታርን ድማ ምስጢሩ ነገሮም፤ ንሳቶም ከዓ ደገፍዎ።
8
ካህን ሳዶቅን በናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቢይ ናታንን ሳሚን ሬሲን እቶም ሓያላት ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያስ ኣይነበሩን።
9
ኣዶንያስ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዓይንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔሌት ኣባጊዕን ከፍትን ስቡሓት ጣዓዉን ሓረደ። ንዅሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዅሎም ሹመኛታት ንጉስ ዝኾኑ ሰብ ይሁዳን ከዓ ፀውዖም።
10
ንነቢይ ናታንን ንበናያስን ነቶም ጀጋኑ ሓለውቲ ንጉስን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይፀውዖምን።
11
ሽዑ ናታን ንቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን፥ “ጐይታና ንጉስ እንተይፈለጠ፥ ካብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕኽን ኢኺ?” በላ።
12
“ሕዚ ድማ ህይወትክን ህይወት ሰሎሞን ወድኽን እተድሕንሉ ምኽሪ ኽመኽረኪ ንዒ።
13
ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት እተዊ፤ ‘ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ንስኻ ንኣይ ንገረድካ፥ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፥ ንሱ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ፥ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን? ስለ ምንታይ ደኣ ኣዶንያስ ነገሰ?’ በሊዮ።
14
እንሆ፥ ገና ንስኺ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ እንተለኺ ኸዓ ኣነ ብድሕሬኺ ኣትየ፥ እቲ ዝበልክዮ ሓቂ ኸም ዝኾነ ኸረጋግፀሉ እየ” በላ።
15
ቤርሳቤህ ከዓ ናብ ንጉስ ናብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ የመና ኣሪጉ ነበረ፤ ኣቢሳ እታ ሱናማዊት ከዓ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት።
16
ቤርሳቤህ ድማ ድንን ኢላ ንንጉስ ዳዊት ኢድ ነስአትሉ። እቲ ንጉስ ከዓ፥ “እንታይ ኢኺ ደሊኺ?” ኢሉ ጠየቓ።
17
ቤርሳቤህ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ‘ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢልካ ንኣይ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ኔርካ።
18
ሕዚ ግና እንሆ፥ ኣዶንያስ ነጊሱ፥ ንስኻ፥ ጐይታይ ንጉስ ከዓ ነዙይ ኣይፈለጥካዮን።
19
ንሱ ኣብዑርን ስቡሓት ጣዓውን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፥ ንዅሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ፀዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ወድኻ ግና ኣይፀውዖን።
20
ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ ክትነግሮም ኵሎም እስራኤል ንኣኻ ይፅበዩ ኣለዉ።
21
እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ምስ ሞትካ፥ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመፅቲ ኽንቍፀር ኢና” በለቶ።
22
እንሆ ድማ፥ ቤርሳቤህ ምስ ንጉስ ክትዛረብ እንተላ፥ ነቢይ ናታን ኣተወ።
23
ንንጉስ ከዓ “ነቢይ ናታን እንሆ መፂኡ” ኢሎም ነገርዎ። ናታን ናብ ቤት ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።
24
ሽዑ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ብድሕሬኻ ኣዶንያስ ከም ዝነግስ፥ ንሱ ድማ ኣብ ዙፋንካ ኸም ዝቕመጥዶ ኣዊጅካ ኢኻ?
25
ንሱ ሎሚ ወሪዱ፥ ኣብዑርን ስቡሓት ጣዓዉን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፥ ንዅሎም ደቅኻን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ፀዊዕዎም ኣሎ፤ እኒሀዉ ኸዓ፥ ምስኡ ይበልዑን ይሰትዩን ኣለዉ፤ ‘ንጉስ ኣዶንያስ ህያው ይኹን’ ድማ ይብሉ ኣለዉ።
26
ንኣይ ንኣገልጋሊኻን ንኻህን ሳዶቅን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ንወድኻ ሰሎሞንን ግና ኣይፀውዐናን።
27
ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ መን ከም ዝኾነ ንሹመኛታትካ ኣይነገርካናን። እዝ ነገርዙይ ጐይታይ ንጉስ ዲኻ ጌርካዮ?” በሎ።
28
ሽዑ ንጉስ ዳዊት “ንቤርሳቤህ ፀውዑለይ” በለ። ንሳ ኸዓ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ ኣትያ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት።
29
እቲ ንጉስ ድማ “በቲ ንህይወተይ ካብ ኵሉ ፀበባ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ።
30
ከምቲ ‘ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ክነግስ እዩ፥ ንሱ ድማ ኽንዳይ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሓልኩልኪ፥ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ” ኢሉ መሓለ።
31
ሽዑ ቤርሳቤህ ተምበርኪኻ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ሰገደትሉ፤ “ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን” እውን በለት።
32
ንጉስ ዳዊት ድማ፥ “ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ፀውዑለይ” በለ። ንሳቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ መፁ።
33
ንሱ ኸዓ “ነቶም ሓለውተይ ምሳኻትኩም ተማሊእኹም፥ ንወደይ ሰሎሞን ከዓ ኣብ በቕለይ ኣቐሚጥኩም ናብ ሩባ ግዮን ኣውርድዎ።
34
ኣብኡ ኸዓ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኹም ድማ ‘ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን’ በሉ።
35
“ብድሕሪኡውን ተኸቲልኩምዎ ውፁ፤ ንሱ ኸዓ መፂኡ ኣብ ዙፋነይ ይቀመጥ እሞ ኽንዳይ ይንገስ፤ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ክነግስ ኣዚዘ እየ” በሎም።
36
በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ንንጉስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ደኣ ኸምኡ ይበል እምበር፥ ከምቲ ዝበልካዮ ኽንገብር ኢና።
37
እግዚኣብሄር ከምቲ ምሳኻ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፥ ከምኡ ኸዓ ምስ ሰሎሞን ይኹን፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዙፋንካ የዕብያ” ኢሉ መለሰ።
38
ሽዑ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን በናያስ ወዲ ዮዳሄን እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ከሊታውያንን ፊሊታውያንን፥ ንሰሎሞን ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣቐሚጦም ብዓጀብ ናብ ግዮን ወሰድዎ።
39
ካህን ሳዶቅ ድማ በቲ ኻብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘምፅኦ፥ ኣብ ቀርኒ ዝመልአ ዘይቲ ገይሩ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ኵሎም ህዝቢ ድማ፥ “ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን” በሉ።
40
ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ዓጂቦምዎ ወፁ፤ ደርፊውን ይደርፉ ነበሩ፤ የመና ኸዓ ተሓጐሱ፤ ብወኻዕታኦም ድማ ምድሪ ተናወፀት።
41
ኣዶንያስን ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅዉዓትን ድማ በሊዖም ምስ ወድኡ ድምፂ ሰምዑ። ኢዮኣብ ከዓ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዐ “እዝ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ወኻዕታ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።
42
ገና ኽዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መፀ፤ ኣዶንያስ ድማ “ኣታ ፅቡቕ እተበስር ለባም ሰብ ኢኻ እሞ እቶ” በሎ።
43
ዮናታን ከዓ ንኣዶንያስ ከምዙይ ኢሉ መለስ፦ “ኣይፋለይን፤ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ።
44
እቲ ንጉስ ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቶም ሓለውቲ ንጉስ ክሊታውያንን ፊሊታውያንን ክዕጅብዎ ሰደዶም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣቐመጥዎ።
45
ካህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ድማ ንጉስ ክኸውን ኣብ ግዮን ቀብእዎ። ካብኡ ኸዓ ብዕልልታ ዓጂቦምዎ ተመለሱ፥ እታ ኸተማ ድማ ብዕልልታ ኣጋወሐት፤ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ድምፂ እዙይ እዩ።
46
ሰሎሞን ከዓ ኣብ ዙፋን መንግስቲ ተቐመጠ።
47
እቶም ሹመኛታት ቤተ መንግስቲ ድማ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ኣትዮም ንጐይታና ንጉስ ዳዊት ‘ኣምላኽካ ንሰሎሞን ካባኻ የብልፆ፤ ንዙፋኑ ኸዓ ኻብ ዙፋንካ የዕብዮ’ እናበሉ መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
48
ቀፂሉ ኸዓ ‘እቲ ኣዒንተይ እናረአያ ሎሚ ኣብ ዙፋነይ ዝቕመጥ ውሉድ ዝሃበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን’ በለ።”
49
ሽዑ እቶም ኣዶንያስ ዝፀውዖም ኵሎም ፈርሑ፤ ተሲኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ መመንገዶም ከዱ።
50
ኣዶንያስ ከዓ ንሰሎሞን ፈርሖ፤ ተሲኡ ድማ ኸደ፤ ቀርኒ መሰውኢውን ኣፅኒዑ ሓዘ።
51
ኣገልገልቱ ድማ፥ ንሰሎሞን “እንሆ፥ ኣዶንያስ ንኣኻ ንንጉስ ፈሪሑ ቐርኒ መሰውኢ ሒዙ ኣሎ፤ ‘ንጉስ ሰሎሞን ንኣይ ንሓሽከሩ ብሰይፊ ኸይቐትለኒ ሎሚ ይምሓለለይ’ ይብል ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
52
ሰሎሞን ከዓ “ቅኑዕ ሰብ እንተ ኾይኑስ ካብ ፀጕሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ፤ ክፍኣት እንተ ተረኽቦ ግና፥ ክመውት እዩ” በለ።
53
ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ኻብቲ መሰውኢ ኣምፅኦ። ንሱ ኸዓ መፂኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነስአሉ። ሰሎሞን ድማ “ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22