bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Kings 3
1 Kings 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 4 →
1
ሰሎሞን ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሓሙ ኾነ እሞ ንጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን ነቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቕፅርን ሰሪሑ ኽሳዕ ዝውድእ ከዓ፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኣ።
2
ክሳዕ እቲ እዋን እቱይ ገና ብስም እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ኣይተሰርሐን ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ጥራሕ ይስውእ ነበረ።
3
ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ይፈትዎ ነበረ፤ ብስርዓት ኣቦኡ ዳዊትውን ይኸይድ ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
4
እታ ዝዓበየት ኰረብታ ገባዖን ነበረት እሞ፥ እቲ ንጉስ ኣብኣ ኽስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቱይ ከዓ ሰሎሞን ሽሕ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ።
5
በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ኣብ ገባዖን ብሕልሚ ተገለፀሉ። “እንታይ ከም ዝህበካውን ለምን” በሎ።
6
ሰሎሞን ድማ “ንስኻ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ብዙሕ ምሕረት ገበርካሉ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ ብእምነትን ብፅድቅን ብቕንዕና ልብን ተመላለሰ፤ ነዝ ዓብዪ ምሕረት እዙይ ሓሊኻ ኸዓ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ ወዲ ሃብካዮ።
7
“ሕዚ እውን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንባርያኻ ኽንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፤ ኣነ ኸዓ መውፅእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽተይ ቈልዓ እየ።
8
ኣነ ባርያኻ ድማ ኣብ ማእኸል እዝ ንስኻ ዝሓረኻዮ ህዝቢ፥ ኣብ ማእኸል እዝ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ዘይቝፀርን ዘይፅብፀብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘለኹ።
9
ነዝ ብዙሕ ህዝቢ እዙይ ደኣ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ብቕንዕና ምእንቲ ኽፈርድስ፥ ንባርያኻ ዘስተውዕል ልቢ ሃቦ” ኢሉ ለመነ።
10
ሰሎሞን እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝለመነ ድማ፥ ነገሩ ንእግዚኣብሄር ደስ ኣበሎ።
11
እግዚኣብሄርውን፥ “ፍርዲ ንምፍላጥ ምስትውዓል ለመንካ እምበር፥ ንባዕልኻ ብዙሕ ዘመናት፥ ብዙሕ ሃብቲ፥ ነፍሲ ፀላእትኻ እንተይለመንካ፥ ነዝ ነገር እዙይ ለሚንካ ኢኻሞ።
12
እንሆ፥ ኣነውን ከምቲ ቓልካ ገይረልካ ኣለኹ፤ ብልህን ዘስተውዕል ልብን ሂበካ ኣለኹ። እዝ ውህብቶ እዙይ ቅድሜኻ ንዝነበረ ኣይሃብኩን፤ ብድሕሬኻውን ከማኻ ዝበለ ኣይህሉን እዩ።
13
ምስኡ ድማ፥ ካብ ነገስታት ዝመስለካ ሓደ እኳ ኸይነብር ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሂበካ ኣለኹ።
14
ከም ኣቦኻ ዳዊት ሕግጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓሊኻ፥ ብመንገደይ ድማ እንተ ኼድካ፥ ዕድሜኻ ኽነውሕ እዩ” በሎ።
15
ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፤ እንሆ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ። ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቆመ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ኣዕረገ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዅሎም ሹመኛታቱ ድማ ምሳሕ ገበረሎም።
16
ሽዑ ኽልተ ኣመንዝራታት ኣንስቲ ናብ ንጉስ መፂአን ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ።
17
እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ “ኦ ጐይታይ፥ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር። ኣብታ ቤት ምስኣ እንተለኹ ኸዓ ወዲ ወለድኩ።
18
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልተይውን እዛ ሰበይቲ እዚኣ ወለደት። ንሕና ኸዓ ብሓንሳእ ነበርና፤ ኣብታ ቤት እቲኣ ብዘይ ክልቴና ኻልእ ሰብ ኣይነበረን።
19
“ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኸዓ፥ ንሳ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት ለይቲ ሞተ።
20
ፍርቂ ለይቲ ተሲኣ ኸዓ፥ ኣነ ገረድካ ደቂሰ እንተለኹ፥ ነቲ ወደይ ካብ ሕቝፈይ ወሲዳ ኣብ ሕቝፋ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ምዉት ወዳ ግና ኣብ ሕቝፈይ ኣደቀሰቶ።
21
እንሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ ንግሆ እንተ ተሳእኹ ኸዓ ሞይቱ ፀንሐ። ብምስትውዓል እንተ ጠመትክዎ ድማ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይነበረን” በለት።
22
እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ወደይ እዩ፤ እቲ ምዉት ግና ወድኺ እዩ” በለት። እዚኣ ድማ “ኣይፋሉን፤ እቲ ምዉት ደኣ እዩ ወድኺ እምበር፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎስ ወደይ እዩ” በለት። በዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተኸራኸራ።
23
ሽዑ እቲ ንጉስ “እዚኣ ‘እዝ ብህይወቱ ዘሎ ወደይ እዩ፥ እቲ ምዉት ከዓ ወድኺ እዩ’ ትብል ኣላ፥ እዚኣ ኸዓ ‘ኣይፋሉን፥ እቲ ምዉት ወድኺ እዩ፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ግና ወደይ እዩ’ ትብል ኣላ” በለ።
24
እቲ ንጉስ ከዓ “ሰይፊ ኣምፅኡለይ” በለ። ሰይፊ ድማ ኣምፅኡሉ።
25
እቲ ንጉስ ድማ “ነዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ኣብ ክልተ ቘሪፅኩም እቲ ፈረቓ ነዛ ሓንቲ፥ እቲ ፈረቓ ኸዓ ነታ ሓንቲ ሃብወን” በለ።
26
ሽዑ እታ ወዳ ብህይወት ዘሎ ኣምዑታ ተናወፀ እሞ፥ ነቲ ንጉስ፥ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ንኣኣ ሃብዋ እምበር ምቕታልስ ኣይትቕተልዎ” ኢላ ተዛረበቶ። እታ ኻልአይቲ ግና፥ “ኣይ ንኣይ፥ ኣይ ንኣኺ፥ ቍረፅዎ ደኣ” በለት።
27
ሽዑ ንጉስ “ምቕታልስ ኣይትቕተልዎ፤ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ሃብዋ፤ እኖኡ ንሳ እያ” ኢሉ መለሰ።
28
ነዝ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ብዘለዉ እስራኤል ሰምዕዎ። ቅኑዕ ፍርዲ ንምፍራድ ጥበብ እግዚኣብሄር ኣብኡ ኸም ዘሎ ሪኦም ከዓ ንንጉስ ፈርሕዎ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22