bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Kings 2
1 Kings 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 3 →
1
ዳዊት ዝሞተላ መዓልቲ ምስ ቀረበት ንሰሎሞን ወዱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦
2
“ኣነ መንገዲ ዅሉ ምድሪ እኸይድ ኣለኹሞ፥ ፅናዕ፤ ሰብውን ኩን።
3
እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ምእንቲ ኽቐንዐካስ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ፤ ከም ፍቓዱ ኸዓ ንበር፤ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ስርዓቱን ድማ ሓሉ።
4
እግዚኣብሄር ነቲ ‘ደቅኻ፥ ብኣካይዳኦም እንተ ተጠንቂቖም፥ ኣብ ቅድመይ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ እንተ ተመላሊሶም፥ ካብ ዘርእኻ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝነግስ ኣየቋርፅን እዩ’ ኢሉ ዝተናገሮ ቓል ምእንቲ ኸፅንዕ እዩ።
5
“እቲ ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፤ ነቶም ክልተ ኣሕሉቕ ሰራዊት እስራኤል፥ ንኣበኔር ወዲ ኔርን ንኣሜሳይ ወዲ ዬቴሩን ቀተሎም፤ ብጊዜ ውግእ ዝፈሰሰ ደም ምእንቲ ኽብቀል፥ ብጊዜ ሰላም ደም ኣፍሰሰ። ኣብቲ ኣብ ሕቘኡ ዝነበረ ቕናቱን፥ ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ኣሳእኑን ድማ ደም ገበረ።
6
እምበኣር ንስኻውን ከም ጥበብካ ግበር። ንሲበቱውን ብሰላም ናብ መቓብር ኣይተውርዶ።
7
“እቲ ኻብ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም እንተለኹ ቐሪቦሙኒ እዮም እሞ፥ ንደቂ ቤርዜሊ እቲ ገለዓዳዊ ፅቡቕ ግበረሎም፤ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑውን ይኹኑ።
8
“እንሆ ኸዓ፥ ሳሚ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፥ በዓል ብራቂም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ኣነ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፤ ግና ንሱ ንዮርዳኖስ ኣብ ዝተሳገርኩሉ ጊዜ ኽቕበለኒ ወረደ፤ ኣነውን ‘ብሰይፊ ኣይቀትለካን እየ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሓልኩሉ።
9
ሕዚ ኸዓ ብዘይ ቅፅዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፥ ንሲበቱውን ምስ ደም ናብ መቃብር ኣውርዶ።”
10
ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐበረ።
11
ዳዊት ኣብ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ነገሰ፤ እዙይ ድማ፥ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
12
ሰሎሞን ድማ ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፤ ስልጣን መንግስቱውን የመና ፀንዐት።
13
እቲ ኻብ ሓጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ድማ ናብ ቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን መፀ። ንሳ ኸዓ “ናባይ ምምፃእኻስ ብሰላም ድዩ?” በለቶ። ንሱ ድማ “ብሰላም እዩ” በላ።
14
ኣስዒቡ ኸዓ “ምሳኺ ዘረባ ኣለኒ” በላ። ንሳ ኸዓ “ተዛረብ” በለቶ።
15
ንሱ ኸዓ “መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፥ ኵሎም ደቂ እስራኤልውን ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ገፆም ናባይ ገይሮም ከም ዝነበሩ ንስኺ ትፈልጢ ኢኺ። ፍቓድ እግዚኣብሄር ኮይኑሉ ግና፥ እታ መንግስቲ ንሓወይ ኮነት።
16
ሕዚ ኸዓ ሓንቲ ልመና ኽልምነኪ እየሞ ኣይተሕፍርኒ” በላ። ንሳ ድማ “ተዛረብ” በለቶ።
17
ንሱ ኸዓ “ኣየሕፍረክን እዩ እሞ፥ ንሱነማዊት ኣቢሳ ንኸመርዕወኒ፥ በይዛኺ ተዛረብዮ” በላ።
18
ቤርሳቤህ ከዓ፥ “ፅቡቕ እዩ፤ ንንጉስ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ” በለቶ።
19
ቤርሳቤህ ብዛዕባ ኣዶንያስ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። እቲ ንጉስ ከዓ ኽቕበላ ተስአ፤ ኢድ ነሲኡላ ድማ ኣብ ወንበር ተቐመጠ፤ ንኣኣውን መንበር ከምፅኡላ ኣዘዘ እሞ ብየማኑ ተቐመጠት።
20
ንሳ ኸዓ፥ “ሓንቲ ንእሽተይ ልመና ኽልምነካ እየ እሞ ኣይተሕፍረኒ” በለቶ። ንጉስ ድማ “እኖይ፥ ኣየሕፍረክንሞ ጠይቒ” በላ።
21
ንሳ ኸዓ “ኣቢሳ እታ ሱናማዊት፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ፥ ንሓውካ ኣዶንያስ ትወሃብ” በለቶ።
22
ንጉስ ሰሎሞን ድማ ንኖኡ፥ “ንኣዶንያስ፥ ኣቢሳ እታ ሱናማዊት እትጥይቕሉ ስለ ምንታይ ኢኺ? ንሱ ኻባይ ዝዓቢ ሓወይ እዩ፤ እምበኣር እዛ መንግስቲ እውን ጠይቒሉ! ብቕድሙውን ካህን ኣብያታርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን መሻርኽቱ ነይሮም እዮም” ኢሉ መለሰላ።
23
ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን “ኣዶንያስ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ዝተዛረበ እንተ ዘይኮይኑ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፥ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ።
24
“ሕዚ ኸዓ በቲ ኣብ ዙፋን ኣቦይ ዳዊት ኣደልዲሉ ዘቐመጠኒ፥ ከምቲ ዘተስፈዎ ድማ ንኣይን ንዘርአይን መንግስቲ ዘቖመለይ፥ ኣዶንያስ ሎሚ ኸም ዝቕተል፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ።
25
ስለዙይ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሰደዶ፤ ንሱ ድማ ንኣዶንያስ ወቕዖ፤ ሞተውን።
26
ንጉስ ከዓ ንኻህን ኣብያታር “ንስኻ ሞት ዝግብአካ ሰብ ኢኻ፤ ግና ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዘመን ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝፆርካ፥ ኣብ ኵሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፥ ሎሚ ኣይቀትለካን እየ፤ ግና ናብ ግራውትኻ፥ ናብ ኣናቶት ኪድ” በሎ።
27
እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ፥ ኣብ ሴሎ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ኮይኑ ኻብ ምግልጋል ሰዓሮ።
28
ኢዮኣብ ድማ ንኣቤሴሎም እኳ እንተ ዘይተኸተለ፥ ንኣዶንያስ ተኸቲሉ ነበረሞ፥ ወረ ምስ በፅሖ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ሃዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ሓዘ።
29
ንንጉስ ሰሎሞን ከዓ ኢዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሃደመን ንመሰውኢ ድማ ኸም ዝሓዘን ነገርዎ። ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ልኡኽ ሰዲዱ ስለ ምንታይ ናብቲ መሰውኢ ኸም ዝሃደመ ጠየቖ። ኢዮኣብ ድማ ንሰሎሞን ፈሪሑ ኸም ዝሃደመ ነገሮ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ፥ “ኬድካ ቕተሎ” ኢሉ ኣዘዞ።
30
በናያስ ከዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን መፂኡ፥ “ንጉስ ‘ውፃእ’ ኢሉ ይእዝዘካ ኣሎ” በሎ። ንሱ ግና “ኣይፋለይን፤ ኣብዙይ ደኣ እመውት እምበር ኣይወፅእን እየ” በሎ። በናያስ ድማ ንንጉስ፥ ኢዮኣብ ከምዙይ ኢሉኒ፥ ከምዙይውን መሊሱለይ ኢሉ ነገሮ።
31
ንጉስ ከዓ “ከምቲ ዝበሎ ግበር፤ ቀቲልካ ቕበሮ፤ ነቲ ኢዮኣብ ዘፍሰሶ ንፁህ ደም ድማ ኻባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ።
32
ነቶም ካብኡ ዝቐንዑን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት እንተይፈለጠ፥ ብሰይፊ ወቒዑ ስለ ዝቐተሎም፥ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊኡ ይምለሰሉ።
33
ደሞም ናብ ርእሲ ኢዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ንዘለኣለም ይመለስ፤ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዙፋኑን ግና ኻብ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ሰላም ይኹን” በሎ።
34
ሽዑ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብታ ኣብ ሜዳ ዘላ መሬቱ ኸዓ ተቐበረ።
35
ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኽንዲ ኢዮኣብ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሓለቓ ሰራዊት ገበረ። ንኻህን ሳዶቕ ከዓ ኽንዲ ኣብያታር ገበረ።
36
እቲ ንጉስ ከዓ ንሳሚ ልኢኹ ፀውዖ። “ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት ሰሪሕኻ ተቐመጥ፤ ካብኣ ድማ ኣይትውፃእ።
37
በታ ወፂእኻ ንሩባ ቄድሮን ዝተሳገርካላ መዓልቲ ርግፅ ከም እትመውት ኣፀቢቕካ ፍለጥ፤ ደምካውን ኣብ ርእስኻ ይኹን” በሎ።
38
ሳሚ ኸዓ ንንጉስ “እዝ ዝበልካዮ ፅቡቕ እዩ፤ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበልካዮ ኣነ ባርያኻ ኸምኡ ኽገብር እየ” በሎ። ሳሚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ።
39
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ኣገልገልቲ ሳሚ ናብ ኣንኩስ ወዲ መዓካ፥ ንጉስ ጌት ሃደሙ። ንሳሚ ድማ “ኣብ ጌት ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
40
ሽዑ ሳሚ ኣድጉ ፅዒኑ ነቶም ኣገልገልቲ ኽደልዮም ናብ ኣንኩስ ናብ ጌት ከደ። ምስ ረኸቦም ድማ ሒዝዎም ተመለሰ።
41
ሳሚ ኻብ ኢየሩሳሌም ናብ ጌት ከይዱ ኸም ዝተመለሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ።
42
እቲ ንጉስ ከዓ ልኢኹ ንሳሚ ፀውዖ፤ “በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ርግፅ ከም እትመውት ኣፀቢቕካ ፍለጥ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣሰሚዐልካንዶ ኣይነበርኩን? ንስኻውን ‘እዝ ዝበልካዮ ፅቡቕ እዩንዶ ኢልካኒ ኣይነበርካን?’
43
ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለ ምንታይ ኢኻ ዘይሓለኻዮ?
44
“እቲ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ኽፉእ ነገር ኣፀቢቕካ ትፈልጦ ኣለኻ። ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ክቐፅዐካ እዩ።
45
ንጉስ ሰሎሞን ግና ቡሩኽ ይኹን፤ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ፅኑዕ ይኹን” በሎ።
46
ንጉስ ድማ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ኣዘዞ፤ ንሱ ድማ ወፂኡ ንሳሚ ቐተሎ፤ ሞተውን። እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ፀንዐት።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22