bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Kings 4
1 Kings 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 5 →
1
እንሆ ድማ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ኮነ።
2
ዝነበሩዎ ኣሕሉቕውን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ኣዛርያስ ወዲ ሳዶቅ ካህን፥
3
ኤሊያፍን ኣኪያን፥ ደቂ ሴባ፥ ፀሓፍቲ፥ ኢዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ፥ ፀሓፊ ታሪኽ፥
4
በናያስ ወዲ ዮዳሄ፥ ሓለቓ ሰራዊት፥ ሳዶቅን ኣብያታርን ካህናት፥
5
ኣዛርያስ ወዲ ናታን ሓለቓ ኣሕሉቕ፥ ዛቡድ ወዲ ናታን ካህንን ፈታዊ ንጉስን፥
6
ኣሒሳር ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ፥ ኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ፥ ኣካቢ ግብሪ፥
7
ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ መመሓደርቲ ሃገር ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ዝምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኽምግቡ ሓላፍነት ነበሮም።
8
ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦ ወዲ ሑር ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም፥
9
ወዲ ዴቀር ኣብ ማቃፅን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤትሳሜስን ኣብ ኤሎንቤትሓናንን፥
10
ቤን ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፥ ኣብ ሰኮት፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኤፌርን፥
11
ወዲ ኣሚናዳብ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር ዶር። (ንጣፈት ጓል ሰሎሞን ኣእትዩ ዝነበረ እዩ።)
12
በዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዕናክን መጊዶን ኣብ ኵላ ቤትሳንን፥ እታ ኣብ ጎቦ ፀርታንም፥ ብትሕቲ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ዘሎ ቤትሳን ክሳዕ ኣቤልምሖላና፥ ክሳዕ ሰገር ዮቅምዓም ዘላ፥
13
ወዲ ጌበር ኣብ ሬማት ዘገለዓድ፥ ኣብተን ኣብ ገለዓድ ዘለዋ ዓድታት ኢያዕር ወዲ ምናሴ፥ ኣብታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፥ ኣብተን ዕርድታትን መሸጐሪ ነሃስን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ነበርዎ፤
14
ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ መሓናይም፥
15
ኣኪማዓስ፥ እቲ ንባስማት ጓል ሰሎሞን ዝተመርዓወ፥ ኣብ ንፍታሌም፥
16
በዓና ወዲ ኵሲ ኣብ ኣሴርን ኣብ በዓሎትን፥
17
ኢዮሳፋጥ ወዲ ፋሩዋ ኣብ ይሳኮር፥
18
ሳሚ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፥
19
ጌበር ወዲ ኡሪ ኣብ ሃገር ገለዓድ፥ ኣብታ ናይ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ናይ ዓግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር። ብዘይ እዞም ዓሰርተ ኽልተ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝገዝእ ሓደ ሹም ነበረ።
20
ይሁዳን እስራኤልን ከም ሑፃ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ፤ ሕጕሳት ድማ ነበሩ።
21
ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶምውን ንሰሎሞን ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ይግብሩሉን ይግዝእዎን ነበሩ።
22
ምግቢ ሰሎሞን ከዓ ነንመዓልቲ ሓሙሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ምሩፅ ሕሩጭ፥ ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ግራም ድማ ተራ ሕሩጭ፥
23
ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑር፥ ዕስራ ኣብዑር ካብ መጓሰዪ፥ ሚእቲ ኣባጊዕ ነበረ። እዙይ ድማ ብዘይ ዋልያታትን ሰስሓታትን ዓጋዜንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ።
24
ንሱ ድማ ነታ ኽነዘው ሩባ ኤፍራጥስ ዘላ ዅላ ሃገር፥ ካብ ቲፍሳ ክሳዕ ጋዛ ነቶም ክነዘው ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ብዅሉ ወገን ሰላም ኮይኑሉ ነበረ።
25
ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ድማ ኻብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ብህድኣት ይነብር ነበረ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ይቕመጥ ነበረ።
26
ሰሎሞን ድማ ሰረገላታቱ ንዝስሕቡ ኣፍራስ ዝኸውን ኣርብዓ ሽሕ ስፍራ ነበሮ። ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትውን ነበርዎ።
27
እቶም ዓሰርተ ኽልተ መመሓደርቲ ኽፍላተ ሃገር ነፍሲ ወከፎም ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ኣብ ማእዱ ዝቐርቡ ዅላቶምን ወወርሖም ይቕልቡ ነበሩ፤ ሓደኳ ኣየጕድሉን ነበሩ።
28
ነፍሲ ወከፍ መመሓደሪ ኸዓ ነቶም ሰረገላታት ዝስሕቡ ኣፍራስን ካልኦት ኣፍራስን ከምቲ ዝተሰርዐሉ ስገምን ሓሰርን ናብቲ ምዱብ ቦታ የምፅእ ነበረ።
29
ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን የመና ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኽስፈር ዘይከኣል ስፍሓት ልብን ሃቦ።
30
ጥበብ ሰሎሞን ካብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ደቂ ግብፅን ይበልፅ ነበረ።
31
ጥበብ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ሰብ፥ ካብ ናይ ኤታን ኢይዝራኤላዊን፥ ካብ ናይ ሄማንን ካልኮልን ዳርዳን፥ ደቂ ማሖልን ይበልፅ ነበረ። ዝናኡ ኸዓ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ወፀ።
32
ሰለስተ ሽሕ ምስላ መሰለ፤ ሽሕን ሓሙሽተን መዝሙራት ድማ ደረሰ።
33
ብዛዕባ ኣእዋም ከዓ ኻብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዝግባ ኽሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዝበቍል ስምዕዛ ተዛረበ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ።
34
ካብ ኵሎም ህዝብታት ዓለም፥ በቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዅሎም ነገስታት ምድሪ ዝተልኣኹ ጥበብ ሰሎሞን ክሰምዑ ሰባት ይመፁ ነበሩ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22