bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Judges 1
Judges 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 2 →
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪ ሞት ኢያሱ ደቂ እስራኤል “ምስ ከነዓናውያን ንምውጋእ ካባና ኣየናይ ነገድ ቅድም ይደይብ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ።
2
እግዚኣብሄር ከዓ “ነገድ ይሁዳ ይደይብ፤ እንሆ፥ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ ኣለኹ” በለ።
3
ደቂ ይሁዳ ኸዓ ንደቂ ስምኦን ኣሕዋቶም፥ “ምስ ከነዓናውያን ክንዋጋእስ፥ ናብቲ ብፅሒትና ንዑናይ ምሳና ኺዱ፤ ንሕና ኸዓ ናብቲ ብፅሒትኩም ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” በልዎም። ደቂ ስምኦን ድማ ምስኣቶም ከዱ።
4
ደቂ ይሁዳ ድማ ደዪቦም ተዋግኡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ካብኣቶም ድማ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ።
5
ንኣዶኒቤዜቅ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፤ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ከዓ ሰዓርዎም።
6
ኣዶኒቤዜቅ ድማ ሃደመ፤ ንሳቶም ድማ ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፤ ዓባይቶ ኣእዳዉን ኣእጋሩንውን ቈረፅዎ።
7
ኣዶኒቤዜቅ ድማ፦ “ዓባይቶ ኣእዳዎምን ዓባይቶ ኣእጋሮምን ዝተቘርፁ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ ማእደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፤ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ” በለ። ደቂ ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብኣውን ሞተ።
8
ደቂ ይሁዳ ድማ ንኢየሩሳሌም ተዋጊኦም ሓዝዋ። ንህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣባርዕዋ።
9
ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዝነብሩ ከነዓናውያን ክዋግኡ ወረዱ።
10
ድሕሪዙይ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዝነብሩ ከነዓናውያን ከዱ። ኬብሮን ቀደም ቂርያት ኣርባቅ ትብሃል ነበረት። ንሴሲን ንኣኪመንን ንተላሜንን ድማ ቐተሉ።
11
ካብኡ ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ኽወግኡ ኸዱ። ዳቤር ቀደም ቂርያትሴፍር ትበሃል ነበረት።
12
ካሌብ ድማ “ንቂርያትሴፍር ተዋጊኡ ዝሓዛ፥ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ።
13
ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ከዓ ሓዛ። ካሌብ ድማ ዓክሳ ጓሉ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።
14
ንሳ ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ። ንሳ ኸዓ ኻብ ኣድጊ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ?” በላ።
15
ንሳ ኸዓ “በረኸት ሃበኒ፤ ኣብ ደቡብ ዘሎ ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ካሌብ ድማ፥ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ።
16
እቶም ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብታ ተምሪ ዘለዋ ኸተማ ተልዒሎም ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ ምድረ በዳ ይሁዳ ደየቡ። ኣብኡ ኸዓ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።
17
ብድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስ ኣሕዋቶም ደቂ ስምኦን ከዱ፤ ነቶም ኣብ ፅፋት ዝነበሩ ከነዓናውያን ተዋግእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ወቂዖም ኣጥፍእዋ። በዙይ ከዓ ሔርማ ተብሃለት።
18
ከምኡውን ደቂ ይሁዳ ንጋዛ ምስ ከባቢኣ፥ ንኣስቀሎና ምስ ከባቢኣ፥ ንኣቃሮን ምስ ከባቢኣ ሓዝወን።
19
እግዚኣብሄር ምስ ደቂ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ኣብ ኰረብታታት ዝነበሩ ኣልቀቕዎም፤ ነቶም ኣብ ለሰ ዝቕመጡ ዝነበሩ ግና፥ ሰረገላታት ሓፂን ስለ ዝነበሮም፥ ከልቅቕዎም ኣይከኣሉን።
20
ንካሌብ ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ ንኬብሮን ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ ካብኣ ኣልቀቖም።
21
ግና ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኢያቡሳውያን ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን። እቶም ኢያቡሳውያን ከዓ ኽሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ኣለዉ።
22
ቤት ደቂ ዮሴፍ ከዓ ናብ ቤቴል ደየቡ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኣቶም ነበረ።
23
ቤት ዮሴፍ ንቤቴል ዝስልሉ ለኣኹ። እታ ኸተማ ቐደም ሎዛ ትብሃል ነበረት።
24
እቶም ሰለልቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ እንትወፅእ ሪኦም፥ “በይዛኻ፥ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፥ ሰናይ ክንገብረልካ ኢና” በልዎ።
25
መእተዊ እታ ኸተማ ኸዓ ኣርኣዮም፤ ነቶም ህዝቢ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ክኸዱ ሓደግዎም።
26
እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ኬጢያውያን ከይዱ ኸተማ ኣጣየሸ፤ ሎዛ ኢሉ ድማ ሰመያ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ሎዛ ትበሃል ኣላ።
27
ደቂ ምናሴ ነቶም ኣብ ከተማታት ቤትሳንን ኣብ ከባቢኣን፥ ታዓናቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ዶርን ኣብ ከባቢኣን፥ ይብልዓምን ኣብ ከባቢኣን፥ መጊዶንን ኣብ ከባቢኣን፥ ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን። ከነዓናውያን ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኽነብሩ ቘረፁ።
28
ደቂ እስራኤል ምስ በርትዑ ድማ ነቶም ከነዓናውያን ኣገበርዎም፤ ካብታ ሃገር ግና ኣይሰጐጕዎምን።
29
ደቂ ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዝነብሩ ከነዓናውያን ካብታ ኸተማ ኣየውፅእዎምን፤ እቶም ከነዓናውያንውን ኣብ ማእኸሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ።
30
ከምኡ ድማ ደቂ ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂድሮንን ኣብ ነህሎልን ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ ከነዓናውያን ኣብ ማእኸሎም ተቐመጡ፤ ገባራቶም ድማ ኮኑ።
31
ደቂ ኣሴርውን ነቶም ኣብ ዓኮንን ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሒልባንን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ረዓብን ይነብሩ ንዝነበሩ ኣየውፅእዎምን።
32
ስለ ዘይሰጐጕዎም ከዓ፥ ኣሴራውያን ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያን ተቐመጡ።
33
ከምኡውን ደቂ ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤትሳምስን ኣብ ቤትዓናትን ንዝነብሩ ሰባት ኣየውፅእዎምን፤ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያን ደኣ ተቐመጡ እምበር። እቶም ኣብ ቤት ሳሚስን ኣብ ቤት ዓናትን ዝነብሩ ግና ገባራቶም ኮኑ።
34
እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ኰረብታታት ከድሐርሕሩ ኣሳጐጕዎም፤ ናብ ለሰ ኸይወርዱውን ከልከልዎም።
35
ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሓሬስን ኣብ ኤሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ክቕመጡ ቘረፁ፤ ግና ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፤ ኣገበረቶምውን።
36
ወሰን ኣሞራውያን ከዓ ኻብ ዓቐበት ዓቅራቢም፥ ካብቲ ጭንጫ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ ነበረ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21