bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Judges 2
Judges 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 3 →
1
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ጌልገላ ናብ ቦኪም ደዪቡ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ናብታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸዓ ኣእተኹኹም። ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ኺዳነይ ንዘለኣለም ኣየፍርሶን እየ።
2
ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኺዳን ኣይትእተዉ፤ መሰውኢታቶምውን ኣፍርሱ፥ ኢለ ኣዚዘኩም ነይረ። ንስኻትኩም ግና ንቓለይ ኣይሰማዕኹምዎን፤ ስለ ምንታይ ኢኹም እዙይ ዝገበርኩም?
3
ሕዚ ኸዓ እብለኩም ኣለኹ፤ ካብ ቅድሜኹም ኣየውፅኦምን እየ፤ ከጨንቑኹም እዮም፤ ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ክኾኑኹም እዮም በልኩ።
4
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ።
5
ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፤ ኣብኣ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
6
ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነዎም፥ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኽወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ።
7
ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዘመን ኢያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ። ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምለኽዎ።
8
ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።
9
ኣብታ ወሰን ርስቱ፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ፥ ኣብ ቲምናት ሔረስ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ድማ ቐበርዎ።
10
ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ።
11
ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ነቶም በዓሊም ዝበሃሉ ኣማልኽቲ እውን ኣምለኹ።
12
ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም ንኣምላኽ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ። ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ኣህዛብ ከዱ፤ ንኣኣቶምውን ሰገዱሎም። በዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።
13
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሓዲጎም በዓልን ኣስታሮትን ተብሂሎም ንዝፅውዑ ኣማልኽቲ ሰገዱ።
14
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።
15
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ዝመሓሎን፥ ናብ ኵሉ ዝወፅዎ ኢድ እግዚኣብሄር ትኸፍኦም ነበረት፤ ብዙሕ ኸዓ ተጨነቑ።
16
ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ዝማርኽዎም ዘድሕንዎም መራሕቲ ኣተስአሎም።
17
ንሳቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ተኸቲሎም ኣመንዘሩን ሰገዱሎምውን፤ ነቶም መራሕቶም ከዓ ኣይሰምዕዎምን። ኣቦታቶም ይኸድዎ ኻብ ዝነበሩ መንገዲ ቐልጢፎም ረሓቑ፤ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝተኣዘዙ፥ ከምኣቶም ኣይገበሩን።
18
እቶም ፀላእቶም ምስ ገፍዕዎምን ምስ ኣሳቐይዎምን ክቝዝሙ እንተለዉ እግዚኣብሄር ሰሚዑ ራህርሀሎም እሞ መራሕቲ ኣተስአሎም፤ እግዚኣብሄር በቲ መራሒ ገይሩ ብዅሉ ዘመን እቲ መራሒ ኻብ ኢድ ፀላእቶም የድሕኖም ነበረ።
19
እቲ መራሒ ምስ ሞተ ግና፥ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣኣቶምውን ብምምላኾምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ በደሉ፤ ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መንገዶምን ኣይተመለሱን።
20
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥
21
ካብቶም ኢያሱ ኽመውት እንተሎ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ህዝብታት ደጊምስ ሓደ እኳ ኣይሰጕጕን እየ።
22
ኣነ ድማ ንእስራኤል፥ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለውዎ፥ ብመንገደይ ብምኻድ ዝሕልዉ ወይ ዘይሕልዉ እንተ ኾይኖም በዙይ ክፍትኖም እየ።”
23
ስለዙይ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብታ ምድሪ ኽነብሩ ሓደጎም፤ ናብ ኢድ ኢያሱውን ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21