bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Judges 3
Judges 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 4 →
1
ነቶም ምስ ከነዓናውያን ዝተገብረ ውግእ ዘይፈለጡ ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ ኽፍትኖም ዘትረፎም ህዝብታት እዚኣቶም እዮም፦
2
እዙይ ነቶም ትውልዲ ደቂ እስራኤል፥ ብፍላይ ነቶም ቀደም ውግእ ዘይፈለጡ ዅሎም፥ ምውጋእ ምእንቲ ኽምህሮም ኢሉ ዝገበሮ ጥራሕ እዩ።
3
ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን።
4
እቲ ብሙሴ ኣቢሉ ነቦታቶም ዝኣዘዞም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝፍፅሙ እንተ ኾይኖም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ደቂ እስራኤል ክፍተኑሎም እዚኣቶም ተረፉ።
5
ደቂ እስራኤል ኣብ ማእኸል ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ተቐመጡ።
6
ኣጓላቶም ከዓ ኣንስቲ ክኾናኦም ወሰዱ፤ ንሳቶምውን ኣጓላቶም ነወዳቶም ሃቡ፤ ንኣማልኽቶምውን ኣምለኹ።
7
ደቂ እስራኤል ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ዝኾነ ነገር ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ዝበሃሉ ጣዖታት ኣምለኹ።
8
ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ እሞ፥ ናብ ኢድ ኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ እስራኤል ድማ ንኵሰርሰቴም ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።
9
ግና ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ዘድሕኖም መድሓኒ፥ ንጎቶንያል ኣተስአሎም፤ ንሱ ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ነበረ።
10
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ።
11
እታ ምድሪ እውን ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት። ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ ከዓ ሞተ።
12
ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸዓ፥ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ።
13
ንደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን ናብኡ ኣኽተቶም፤ ከይዱውን ንደቂ እስራኤል ሰዓሮም፤ ንኸተማ ተምሪውን ሓዝዋ።
14
ደቂ እስራኤል ድማ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።
15
ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ደጊሞም ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንናዖድ ወዲ ጌራ፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝኾነ ኣባግራይ ሰብኣይ፥ መድሓኒ ኣተስአሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ብእኡ ገይሮም ናብ ዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ግብሪ ሰደዱ።
16
ሽዑ ናዖድ ክልተ ዝኣፋ፥ እመት ዝምንዋሓ ሰይፊ ኣዳለወ፤ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሰለፉ ገበሮ።
17
እቲ ግብሪ ንኤግሎን፥ ነቲ የመና ረጒድ ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ።
18
ነቲ ግብሪ ምስ ኣቕረበ፥ ነቶም ግብሪ ፆይሮም ዝነበሩ ሰባት ኣፋነዎም።
19
ናዖድ ግና ኻብታ ኣብ ጌልገላ ዘላ ትኹላት ኣእማን ዘለውዋ ስፍራ ተመሊሱ “ኦ ንጉስ! ዝነግረካ ምስጢር ኣለኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ስቕ በል” በለ። እቶም ምስ ንጉስ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ከዓ ኻብኡ ወፁ።
20
ናዖድውን ናብኡ ቐረበ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ሰገነት ንበይኑ ተቐሚጡ ነበረ። ናዖድ ድማ “ንኣኻ ዝነግረካ ናይ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ኣለኒ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ ኻብ ዙፋኑ ተስአ።
21
ናዖድውን ፀጋመይቲ ኢዱ ሰዲዱ ነታ ሰይፊ ኻብ የማነይቲ ሰለፉ መዚዙ ናብ ከብዱ ሸኸለሉ።
22
እታ ሰይፊ ምስ ለዓታ ኣብ ከብዱ ኣተወት፤ ብዝባኑ ኸዓ ወፀት፤ ስብሒ ስለ ዝኸደና ኸዓ ኻብ ከብዱ ኣየውፅኣን።
23
ሽዑ ናዖድ ናብቲ ሰገነት ወፀ፤ ነቲ ማዕፆ ሰገነት ድማ ንድሕሪት ዓፅዩ ሸጐሮ።
24
ናዖድ ምስ ከደ፥ እቶም ሓሻኽሩ መፁ፤ እንሆ ኸዓ መዓፁ እቲ ሰገነት ተዓፅዩ ረአዩ፤ “ምናልባሽ ኣብ ሰገነት ናብ ቤት ንፅህና ኣትዩ ይኸውን” በሉ።
25
ክሳዕ ዝሓፍሩውን የመና ተፀበዩ። ነቲ ማዕፆ ሰገነት ከም ዘይኸፈቶ ምስ ረአዩ፥ መፍትሕ ወሲዶም ከፈትዎ፤ እንሆ ድማ፥ ጐይታኣቶም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኸብዎ።
26
ናዖድ ግና ኽፅበዩ እንተለዉ ሃደመ፤ ናብ ማዕዶ ነቶም ዝተተኸሉ ኣእማን ሓሊፉ ናብ ዔይሮታም ኣቢሉ ድማ ኣምለጠ።
27
ናብ ዓዱ ምስ ኣተወ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኮይኑ መለኸት ነፍሐ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ናብኡ መፁ። መሪሕዎም ከዓ ኻብቲ ዀረብታታት ወረደ፤ ንሳቶምውን ደድሕሪኡ ሰዓቡ።
28
ናዖድ ድማ “እግዚኣብሄር ንሞኣባውያን ፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ሰዓቡኒ” በሎም። ተኸቲሎምዎ ኸዓ ወረዱ፤ ነቲ ናብ ሞኣብ ዘሳግር፥ መሳገሪ ዮርዳኖስውን ሓዝዎ፤ ሓደ ሰብ ከም ዘይሓልፍ ድማ ገበሩ።
29
በታ ጊዜ እቲኣ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣኽሉ ምሩፃት ጀጋኑ ሞኣባውያን ቀተሉ። ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ኢዶም ኣየምለጠን።
30
በታ መዓልቲ እቲኣ ሞኣብ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደት። እታ ሃገር ከዓ ሰማንያ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።
31
ብድሕሪኡ ድማ ሰሜጋር ወዲ ዓናት ተልዓለ፤ ንሱ መውግኢ ብዕራይ ገይሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ቀተለ። ንሱውን ንእስራኤል ኣድሓኖም።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21