bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Judges 4
Judges 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 5 →
1
ናዖድ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ።
2
እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢድ እቲ ኣብ ሓፆር ነጊሱ ዝነበረ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ኣሕሊፉ ሃቦም። ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ሲሳራ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ኣሪሶት ኣህዛብ ዝቕመጥ ነበረ።
3
ኢያቢስ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓፂን ነበሮ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራ ዓመት ብሓይሊ ገዝኦም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
4
ሽዑ ዲቦራ ነቢዪት ሰበይቲ ለፊዶት ኣብ እስራኤል ትፈርድ ነበረት።
5
ንሳ ኸዓ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤቴልን፥ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዲቦራ ዝበሃል ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ይድይቡ ነበሩ።
6
ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ።
7
ኣነ ኸዓ ንሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኢያቢስ ምስ ሰረገላታቱን ምስ ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ሩባ ቂሶን ስሒበ ኸምፅኦ እየ፤ ናብ ኢድካ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ ኢሉዶ ኣይኣዘዘካን?’ ” በለቶ።
8
ባርቅ ድማ “ምሳይ እንተ ኼድኪ፥ ክኸይድ እየ፤ ምሳይ እንተ ዘይኬድኪ ግና ኣይከይድን እየ” በላ።
9
ንሳ ኸዓ “ብሓቂ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፤ ግና እግዚኣብሄር ንሲሳራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኣሕሊፉ ኽህቦ እዩ እሞ፥ በዝ እትኸዶ መንገዲ ንኣኻ ኽብረት ኣይኸውንን” በለቶ። ዲቦራ ድማ ተሲኣ፥ ምስ ባርቅ ናብ ቃዴስ ከደት።
10
ሽዑ ባርቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ፀውዖም፤ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ከዓ ደድሕሪኡ ደየቡ፤ ዲቦራውን ምስኡ ደየበት።
11
ሔቤር እቲ ቄናዊ ግና ኻብቶም ቄናውያን፥ ደቂ ኦባብ ሓሙ ሙሴ ተፈልዩ፤ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፥ ኣብ ፃዕናይም ክሳዕ ዘሎ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ኦም ድንኳኑ ተኸለ።
12
ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ናብ እምባ ታቦር ከም ዝደየበ ንሲሳራ ነገርዎ።
13
ሽዑ ሲሳራ፥ ንዅለን እተን ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላታት ሓፂንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ትሕዝቶ ኣህዛብ ካብ ዝኾነት ካብ ኣሪሶት ናብ ሩባ ቂሶን ኣኽተተ።
14
ዲቦራ ድማ ንባርቅ፥ “እታ እግዚኣብሄር ንሲሳራ ናብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ ተስእ። እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ወፂኡ ኣሎ” በለቶ። ሽዑ ባርቅ፥ ምስቶም ዓሰርተ ሽሕ ሰባት፥ ካብ እምባ ታቦር ወረደ።
15
እግዚኣብሄር ድማ ንሲሳራን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባርቅ ብስሕለት ሰይፊ ኣሸበሮም። ሲሳራ ኸዓ ኻብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሃደመ።
16
ባርቅ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ሰራዊትን ደድሕሪኣቶም ስዒቡ ኽሳዕ ትሕዝቶ ኣህዛብ ዝኾነት ኣሪሶት ኣሳጐጎም። ኵሉ ሰራዊት ሲሳራ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ወደቐ፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
17
ሲሳራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥ ሃደመ። እዙይ ከዓ ኣብ መንጎ ኢያቢስ ንጉስ ሓፆርን ቤትሔቤር ቄናውን ሰላም ስለ ዝነበረ እዩ።
18
ኢያዔል ድማ ንሲሳራ ኽትቅበሎ ወፂኣ፥ “ጐይታይ! እቶ፥ ኣይትፍራሕ ናባይ እቶ” በለቶ። ናብኣ ናብ ድንኳና ድማ ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ብመጐናፀፍያኣ ሸፈነቶ።
19
ንሱ ድማ “ፀሚአ ኣለኹ እሞ በይዛኺ ዝሰትዮ ቝሩብ ማይ ሃብኒ” በላ። ንሳ ኸዓ ሓርቢ ፈቲሓ ፀባ ኣስተየቶ፤ ሸፈነቶውን።
20
ንሱ ድማ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ደው በሊ፤ ሰብ መፂኡ ‘ኣብዙይዶ ሰብ ኣሎ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኪ፥ የለን በሊ” በላ።
21
ንሱ ድማ ደኺሙ ኸቢድ ድቃስ ወሲድዎ ነበረ። ሽዑ ኢያዔል ሰበይቲ ሔቤር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ መዶሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፥ ቀስ ኢላ ናብኡ ቐረበት፤ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ፤ ንሱ ከዓ ደቂሱ ነበረሞ፥ እቲ ሽኻል ክሳዕ ምድሪ ኣተወ፤ ንሱውን ሞተ።
22
እንሆ ድማ፥ ባርቅ ንሲሳራ ኸሳጕጎ እንተሎ፥ ኢያዔል ክትቅበሎ ወፂኣ “እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ከርእየካ ነዓ” በለቶ። ምስ ኣተወ ድማ ሲሳራ ሞይቱ ተዘርጊሑ ረኸቦ፤ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ።
23
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንኢያቢስ፥ ንጉስ ከነዓን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረዶ።
24
ንኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ክሳዕ ዘጥፍእዎ፥ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን እናበርትዐት ከደት።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21