bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Romans 1
Romans 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 2 →
1
ሃዋርያ ክኸውን ካብ ዝተፀውዐን፥ ንወንጌል እግዚኣብሄር ዝተፈለየን፥ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ጳውሎስ ዝተፅሓፈት መልእኽቲ።
2
እዝ ወንጌል እዙይ፥ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ፥ ብቅዱሳት መፃሕፍቲ ኣቐዲሙ ዘተስፈዎ እዩ።
3
እዝ ወንጌል እዙይውን፥ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ ወዱ እዩ ዝዛረብ።
4
ካብ ምዉታን ብምትሳኡ ድማ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ብሓይሊ ዝተግሃደ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና እዩ።
5
ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር፥ ብእኡን ምእንቲ ስሙን፥ ፀጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።
6
ንስኻትኩምውን ከምኣቶም፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትኮኑ፥ ተፀዊዕኹም ኢኹም።
7
ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
8
ብክርስቶስ ምእማንኩም፥ ኣብ ኵላ ዓለም ስለ ዝተሰምዐት፥ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።
9
እንተየቋረፅኩ ዅልሻዕ ኣብ ፀሎተይ ከም ዝዝክረኩም፥ እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ፥ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
10
ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ናባኻትኩምውን ክመፅእ፥ መንገደይ ከቕንዐለይ እፅሊ ኣለኹ።
11
ብእምነት ምእንቲ ኽትፀንዑ፥ መንፈሳዊ ውህብቶ ኸካፍለኩም ስለ ዝደሊ፥ ክሪአኩም እናፍቕ ኣለኹ።
12
እዙይ ከዓ ኣነን ንስኻትኩምን፥ በታ ዘላትና እምነት፥ ንስንሳትና ምእንቲ ኽንፀናናዕ ኢለ እየ።
13
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ ፍረ፥ ኣባኻትኩምውን ምእንቲ ኽረክብ፥ ናባኻትኩም ንምምፃእ ብዙሕ ጊዜ ኸም ዝመደብኩ፥ እንተ ኾነ ኽሳዕ ሕዚ ኸም ዘይተኽኣለኒ፥ ክትፈልጡለይ እደሊ።
14
ንግሪካውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን፥ ንዝተምሃሩን ንዘይተምሃሩን፥ ክሰብኽ ዕዳ ኣለኒ።
15
ስለዙይ ኣብ ሮሜ ንዘለኹምውን፥ ወንጌል ክሰብከልኩም ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።
16
ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ፤ ወንጌል ንዝኣምን ኵሉ፥ ቅድም ንኣይሁድ ደሓር ንኣህዛብ፥ ዘድሕን ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
17
ከምቲ ፅሑፍ “ፃድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር” ዝብሎ፥ እቲ ፅድቂ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ እዩ ዝገሃድ።
18
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ሓጢኣትን፥ ኣብቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዝኽውልዋ ሰባት፥ ካብ ሰማይ ክግለፅ እዩሞ።
19
እግዚኣብሄር ስለ ዝገለፀሎም፥ እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉፅ እዩ።
20
ዘመኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፥ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ተርእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሄር፥ ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፥ በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣፀቢቑ ተግሃደ።
21
ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።
22
ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፥ ዓሻታት ኮኑ።
23
ንኽብሪ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ፥ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን፥ ኣዕዋፍን፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን፥ ናብ ለመም ዝብሉን ለወጥዎ።
24
ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ብትምኒት ልቦም ንስንሳቶም ሰብነቶም ከሕስሩ፥ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።
25
እዙይ ከዓ ነቲ ሓቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓሰት ስለ ዝለወጥዎ፥ ክንዲ ፈጣሪውን፥ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን እዩ፤ ንሱ ግና ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ኣሜን።
26
በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዘነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም እንተይተረፋ፥ ነቲ ፆታዊ ባህርየን ሓዲገን፥ ንፆታዊ ባህርየን ዘይግባእ ፈፀማ።
27
ሰብኡትውን ከምኡ፥ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍፀም ባህርዮም ሓዲጎም፥ ንስንሳቶም ብፍትወቶም ነደዱ፤ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፤ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተትውን፥ ግቡእ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረዱ።
28
ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።
29
ስለዙይ ብዓመፅ፥ ብኽፍኣት፥ ብስስዐ፥ ብቕንኣት፥ ብቕትለት፥ ብባእሲ፥ ብምጥፍፋእ፥ ብእከይ ምሉኣት ኮኑ። ከምኡውን ስም ሰብ ዘፀልሙ፥
30
ሓመይቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፀልኡ፥ ዕቡያት፥ ተጀሃርቲ፥ ክፍኣት ዝኣልሙ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥
31
ዘየስተውዕሉ፥ ጠላማት፥ ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ጨካናት እዮም።
32
እዚኣቶም “እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሞት ይግብኦም እዩ” ዝብል፥ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር እናፈለጡ፥ ነዝ ዅሉ ይፍፅሙ ኣለዉ፤ እዙይ ከይኣኽሎም ከዓ፥ ነቶም ከምኡ ዝገብሩውን የተባብዑ ኣለዉ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16