bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Romans 3
Romans 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 4 →
1
ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ?
2
ብዅሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም እዩ ብሕድሪ ዝተውሃቦም።
3
ካብኣቶም ዘይኣምኑ እንተ ሃልዮምከ፥ እቲ ናታቶም ዘይምእማን፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ?
4
ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።
5
እቲ ኽፍኣትና፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ካብ ኮነ፥ እንታይ ንበል? እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኽቐፅዕ እንተሎኸ፥ ዓማፂ ማለት ድዩ? ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።
6
ኣይፋሉን፤ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ እግዚኣብሄር ንዓለም ምፈረዳ?
7
ሓሰተይ፥ ንሓቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅን፥ ንኽብሩውን ዝውስክ ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓጥእ ኮይነ ዝፍረድ?
8
ከምቲ ገሊኣቶም “ፅቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ፥ ክፉእ ንግበር” ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝፀርፉና፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ።
9
እንታይ ደኣ ይኹን? ካብኣቶም እንሐሸሉዶ ኣለና? የብልናን፤ ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ኵላቶም፥ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም ኢልና፥ ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢናሞ።
10
መፅሓፍ ከምዙይ ከም ዝብል፦ “ሓደኳ ፃድቕ የለን፤ ሓደኳ የለን፤
11
ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤
12
ኵላቶም ዓመፁ፤ ኵላቶምውን ሓቢሮም ሰሓቱ፤ ፅቡቕ ዝገብርውን የለን፤ ሓደኳ የለን።
13
ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖም ይሽፍጡ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም፥ ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።
14
ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።
15
ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፋት እየን።
16
ኣብ መንገዶም ዕንወትን መከራን ኣሎ፤
17
ንመንገዲ ሰላምውን ኣይፈልጥዋን እዮም።
18
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።”
19
እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና።
20
ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።
21
ሕዚ ግና፥ ከምቲ ሕግን ነቢያትን ዝመስከርዎ፥ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ዝኾነ፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ተገሊፁ ኣሎ።
22
ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።
23
ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ።
24
በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ።
25
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ።
26
ኣብዝ ዘመን እዙይ ዝገልፆ ዘሎ ኸዓ፥ ንሱ ፃድቕ ከም ዝኾነ፥ ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ኵሉውን ከም ዝፀድቕ፥ ምእንቲ ኸርኢ እዩ።
27
ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ፤ ብግብሪ ሕጊ ድዩ? ኣይኮነን፤ ብእምነት ሕጊ እዩ እምበር።
28
ሰብ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ብእምነት ከም ዝፀድቕ ንፈልጥ ኢና።
29
እግዚኣብሄር ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራሕ ድዩ? ናይ ኣህዛብውን ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ናይ ኣህዛብውን እባ።
30
እቲ ንግሩዝ ብእምነት፥ ንዘይግሩዝውን ብእምነት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር፥ ሓደ እዩ።
31
እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16