bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Romans 4
Romans 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 5 →
1
እምበኣር እቲ ብስጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም፥ እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና?
2
ኣብርሃም ብስራሑ ፀዲቑ እንተ ዝኸውን፥ ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና፥ ሓንቲ እኳ የብሉን።
3
መፅሓፍከ እንታይ ይብል? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑ ድማ ተቘፀረሉ” ይብል።
4
ነቲ ዝሰርሕ ሰብ፥ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቝፀረሉ እምበር፥ ከም ውህብቶ ኣይኮነን።
5
ሰብ ሰናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ፥ በቲ ንሓጢኣተኛታት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ፥ ፅድቂ ኾይኑ ይቝፀረሉ እዩ።
6
ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሄር ዘፅድቖ ሰብ፥ ብፁእ ከም ዝኾነ ኽዛረብ እንተሎ፥ ከምዙይ ይብል፦
7
“እቶም በደሎም ይቕረ ዝተብሃለሎም፥ ሓጢኣቶምውን ዝተሓደገሎም፥ ብፁኣን እዮም።
8
እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”
9
እዛ ብፅእና እዚኣ፥ ንግሩዛት ጥራሕ ድያ ወይ ንዘይተገርዙውን? ንኣብርሃም፥ እታ እምነቱ ፅድቂ ኾይና ተቘፀረትሉ ኢልና ኣለና።
10
ከመይ ኢላ እያኸ ዝተቘፀረትሉ? ምስ ተገርዘ ድያ? ወይ እንተይተገርዘ? እንተይተገርዘ እያ እምበር፥ ምስተገርዘ ኣይኮነትን።
11
ነታ ገና ኸይተገርዘ እንተሎ፥ ብእምነት ዝረኸባ ፅድቂ፥ ምልክትን ማሕተምን ክትከውን፥ ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ፥ ነቶም ኵሎም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ፥ እምነቶም ፅድቂ ኾይኑ ንዝቝፀረሎም ድማ፥ ኣቦ ኾኖም።
12
ኣቦ ግሩዛትውን እዩ፤ እዙይ ከዓ ስለ ዝተገረዙ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገረዘ እንተሎ ዝረኸባ እምነት፥ ስለ ዝሰዓቡ እዩ።
13
እታ ንኣብርሃም ምስ ዘርኡ ንዓለም ከም ዝወርሳ ዝተውሃበቶ ተስፋ፥ በቲ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እያ እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ኣይኮነትን።
14
እቶም ፈፀምቲ ሕጊ ዝወርሱ እንተ ዝኾኑ ግና፥ እምነት ከንቱ ምኾነት፤ ተስፋ ኸዓ ዋጋ ኣይምነበራን።
15
ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዘምፅእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፥ ኣብኡ ምጥሓስ ሕጊ የለን።
16
እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ።
17
እዙይ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ተስፋ ንኣብርሃም ዝተውሃቦ፥ ንሱ ንዝሞቱ ህይወት ብዝህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህልውና ብዝፅውዕ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነ እዩ።
18
“ዘርእኻ ኸምኡ ክኸውን እዩ” ዝብል ዝተነግሮ ኣብርሃም፥ ኣብቲ ተስፋ ዘይነበሮ ተስፋ ብምግባር፥ ኣቦ ብዙሓት ከም ዝኸውን ኣመነ።
19
ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ፥ ክወልድ ከም ዘይኽእልን፥ ሳራውን ማህፀና ኸም ዝሞተ እናረአየ እኳ፥ እምነቱ ኣይደኸመን።
20
ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን።
21
ነቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ እግዚኣብሄር ክፍፅሞ ኸም ዝኽእል፥ ኣፀቢቑ ተረዲኡ ነበረ።
22
ስለዙይ ድማ “እምነቱ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።”
23
ግና “እቲ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ” ዝብል፥ ንኣብርሃም ጥራሕ ኣይተፅሓፈን፤
24
ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ።
25
ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16