bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Romans 2
Romans 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 3 →
1
ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ዅሉ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር፥ ንባዕልኻ ትዅንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ፥ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ።
2
ንሕና ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ፥ ግቡእ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ ከም ዝወርድ ንፈልጥ ኢና።
3
ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ እትፈርድ፥ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ፥ ካብ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ እተምልጥዶ ይመስለካ?
4
ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ?
5
ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
6
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ እሞ።
7
ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ።
8
ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።
9
ንዅሉ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።
10
ሰናይ ንዝገብር ኵሉ ግና፥ ምስጋናን ክብርን ሰላምን ክወሃቦ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።
11
እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ።
12
እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም፥ ብዘይ ሕጊ ኽጠፍኡ እዮም፤ እቶም ሕጊ እንተለዎም፥ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም ከዓ፥ በቲ ሕጊ ኽፍረዱ እዮም።
13
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ።
14
እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ፥ ብባህርዮም ተመሪሖም ዝፍፅምዎ፥ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ፥ ንባዕላቶም ሕጊ እዮም።
15
በዙይ ከዓ ንሳቶም ሕሊናኦም እናመስከረሎም፥ ሓሳቦምውን ሓንሳእ እንትወቕሶም፥ ሓንሳዕውን እንትድግፎም ብምርካቡ፥ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ዝተፅሓፈ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።
16
ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
17
ንስኻ ግና “ብሕጊ ዝነብር፥ ብእግዚኣብሄርውን ዝምካሕ ኣይሁዳዊ እየ” ኢኻ እትብል።
18
ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝኾነ እትፈልጥ፥ ሕጊ ስለ ዝተምሃርካ፥ ዝሐሸ ነገር ፈሊኻ እትፈልጥ፥
19
“መራሒ ዕውራት፥ ኣብ ፀልማት ንዘለዉ ኸዓ ብርሃን እየ” ኢልካውን እትምካሕ፥
20
እቲ ብሕጊ ዝርከብ ፍልጠትን ሓቅን ስለ ዘለካ ኸዓ “ንዓያሹ መለበሚ፥ ናይ ህፃናት ከዓ መምህር እየ” እትብል ኢኻ።
21
እምበኣር፥ ኣታ ንኻልእ እትምህር፥ ንባዕልኻ ደኣ ዘይትምህር? ኣይትስረቑ ኢልካ ትምህር፥ ንባዕልኻ ግና ትሰርቕ።
22
ኣይትዘምዉ ትብል፥ ንስኻዶ ትዝሙ? ጣዖት ትፅየፍ፥ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ?
23
ከምቲ “ብሰንክኹም፥ ስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ይፅረፍ ኣሎ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፥ ሕጊ ብምፍራስካ ንእግዚኣብሄር ተቃልሎ ኣለኻ።
25
ግርዘት እትጠቅም፥ ሕጊ እንተ ሓሊኻ እያ፤ ሕጊ እንተ ጥሒስካ ግና፥ እታ ግርዘት፥ ከም ዘይምግራዝ ኽትኮነካ እያ።
26
እምበኣር እቲ ዘይግሩዝ፥ ነቲ ትእዛዝ ሕጊ እንተ ሓልይዎ፥ እቲ ዘይምግራዙ ኸም ግርዘት ኮይኑዶ፥ ኣይቝፀረሉን እዩ?
27
እቲ ብስጋ ዘይተገርዘ እናሃለወ ሕጊ ዝሕሉ፥ ፅሑፍ ሕግን ግርዘትን እንተለካ ሕጊ ንእተፍርስ፥ ንኣኻ ክዅንነካ እዩ።
28
ብዝረአ ኣይሁዳዊ ምዃን፥ ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፤ እታ ብዝረአ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘትውን፥ ግርዘት ኣይኮነትን።
29
ኣይሁዳዊ ማለት፥ እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ እዩ እሞ። ግርዘት ከዓ፥ ብሕጊ ዘይኮነስ፥ እታ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልቢ እትግበር ግርዘት እያ። ከምዙይ ዝመሰለ ሰብ፥ ናእዳኡ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይኮነን።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16