bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ruth 1
Ruth 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 2 →
1
በቲ መሳፍንቲ ዝገዝኡሉ ዝነበረ ዘመን፥ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ክልተ ደቁን ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ናብ ምድሪ ሞኣብ ክቕመጥ ከደ።
2
ስም እቲ ሰብኣይ ኣቤሜሌክ፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኑሓሚን፥ ስም ክልቲኦም ደቁውን መሓሎን ኬሌዎንን ይብሃሉ ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝቕመጡ ኤፍራታውያን ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ ከይዶም ከዓ ኣብኣ ተቐመጡ።
3
ኣቤሜሌክ ሰብኣይ ኑሓሚን ድማ ሞተ እሞ፥ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት።
4
ንሳቶም ከዓ ሓንቲ ዖርፋ ዝስማ፥ ሓንቲ ኸዓ ሩት ዝስማ ሞኣባውያት ኣንስቲ ኣእተዉ። ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብኡ ምስ ተቐመጡ፥
5
መሓሎንን ኬሌዎንን ክልቲኦም ሞቱ። ኑሓሚን ድማ ሰብኣያን ክልቲኦም ደቃን ስለ ዝሞቱ በይና ተረፈት።
6
ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝተመልከቶም፥ እንጀራውን ከም ዝሃቦም ሰምዐት እሞ፥ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ክትምለስ ተልዓለት።
7
ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ከዓ ኻብታ ዝነበረታ ቦታ ወፂኣ ነታ ናብ ምድሪ ይሁዳ እትወስድ መንገዲ ሓዘት።
8
ኑሓሚን ከዓ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ “ኪዳ፥ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ገዛ እኖታትክን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ምዉታትን ንኣይን ፅቡቕ ዝገበርክናኦ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻትክንውን ፅቡቕ ይግበረልክን።
9
ንነፍሲ ወከፍክን ኣብ ገገዛ ሰብኣይክን እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ይሃብክን” በለተን። ሽዑ ሰዓመተን፤ ንሳተን ከዓ ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ፤
10
“ኣይፋልናን፤ ምሳኺ ናብ ህዝብኺ ኽንምለስ ኢና” በላኣ።
11
ኑሓሚን ግና “ደቀይ! ንምንታይ ኢኽንከ ምሳይ እትኸዳ? ተመለሳ ደኣ፥ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ?
12
ደቀይ! ሰብኣይ ከየእቱ ኣሪገ እየ፤ ኪዳ ደኣ ተመለሳ። ተስፋ እንተ ዝህልወኒ፥ አረ ሎሚ ለይቲ እኳ ሰብኣይ እንተ ዘእቱሞ፥ ኣወዳት ከዓ እንተ ዝወልድ፥
13
ንሳቶም ክሳዕ ዝዓብዩዶ ኽትፀንሓ ኢኽን? ምእንቲ እዙይከ እንተይተመርዖኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን? ኣይፋልክንን፤ ደቀይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ቀፂዑኒ ኣሎ እሞ፥ ካብ ንኣኻትክንስ ንኣይ ኣዐርዩ ይመርር” በለተን።
14
ሽዑ መሊሰን ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርፋ ንሓማታ ሰዓመታ፤ ሩት ግና ምስኣ ተፀግዐት።
15
ኑሓሚን ድማ “ሰበይቲ ሓሙትኪ እኒሃ፥ ናብ ህዝባን ናብ ኣማልኽታን ተመሊሳ ኣላ፤ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ።
16
ሩት ግና “ንኣኺ ሓዲገ ንድሕሪት ክምለስ ኣይተገድድኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ፤ ኣብ እትነብርሉ ኸዓ እነብር፤ ህዝብኺ ህዝበይ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ ክኸውን እዩ።
17
ኣብታ እትሞትላ እመውት፥ ኣብኣ ድማ እቕበር፤ ኣነ ብሞት እንተ ዘይኮይኑ፥ ካባኺ እንተ ተፈልየ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይ ከዓ ይወስኸኒ” በለት።
18
ኑሓሚን፥ ሩት ምስኣ ኽትከይድ ከም ዝቘረፀት ምስ ረአየት፥ ምዝራብ ሓደገት።
19
ክልቲአን ናብ ቤተ ልሔም ተጕዓዛ። ናብ ቤተ ልሔም ምስ ኣተዋ ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ተገሪሙ ብምሉኡ ወፀ። “እዚኣስ እምበርዶ ኑሓሚን እያ” እናበሉ ዋጭ ዋጭ በሉ።
20
ንሳ ድማ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንህይወተይ ብዙሕ ከም እትመርር ገይርዋ እዩ እሞ፥ ማራ ደኣ በሉኒ እምበር ኑሓሚን ኣይትበሉኒ።
21
ክኸይድ እንተለኹ ምሉእ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና በይነይ መለሰኒ። እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፈሪዱ መከራ ኻብ ኣውረደለይ ስለ ምንታይ ኑሓሚን ትብሉኒ ኣለኹም?” በለቶም።
22
ኑሓሚን ተመለሰት፤ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ሩት ከዓ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ኣብ ቤተ ልሔም ዝበፅሓሉ ጊዜ መጀመርታ ዓፂድ ስገም ነበረ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4