bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ruth 3
Ruth 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 4 →
1
ኑሓሚን ሓማታ ድማ ንሩት፦ “ጓለይ፥ ፅቡቕ ክኾነልኪ ዕረፍቲዶ ኣይደልየልክን እየ?
2
ሕዚ ኸዓ እቲ ምስተን ኣገልገልቱ ትውዕሊ ዝነበርኪ ቦኤዝስ ቀረባ ዘመድናዶ ኣይኮነን? እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ ብመስአ የዝሩ ኣሎ።
3
እምበኣር ተሓፂብክን ሽቱ ተቐቢእኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና ኣይትረአዪዮ።
4
ኣበይ ከም ዝድቅስ ፍለጢ፥ ምስ ደቀሰ ኼድኪ ብወገን እግሩ ቐሊዕኺ ደቅሲ ንሱ ኸዓ እትገብርዮ ኽነግረኪ እዩ” በለታ።
5
ሩት ድማ “ዝበልክኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በለታ።
6
ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፥ ከምቲ ሓማታ ዝበለታ ዅሉ ገበረት።
7
ቦኤዝ በልዐን ሰተየን፥ ደስውን በሎ፤ ኣብ ፀግዒ ዅልሳስ ኽድቅስ ከዓ ኸደ። ሽዑ ሩት ቀስ ኢላ መፂኣ ብወገን እግሩ ቐሊዓ ደቀሰት።
8
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኸዓ ቦኤዝ ደንጊፁ ተበራበረ፤ ምስ ተገምጠለ ድማ እንሆ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት።
9
ንሱ ኸዓ “መን ኢኺ?” ኢሉ ጠየቓ። ንሳ ድማ “ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ረዳእን ወራስን ስለ ዝኾንካ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” ኢላ መለሰትሉ።
10
ቦኤዝ ከዓ “ኣቲ ጓለይ! ደድሕሪ ሃብታማት ኮነ ድኻታት መናእሰይ ስለ ዘይሰዓብኪ፥ ካብቲ ቐዳማይ ቅንዕናኽስ እቲ ዳሕረዋይ በሊፁ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።
11
ሕዚ ድማ ጓለይ! ኣይትፍርሒ፤ ለባም ሰበይቲ ምዃንኪ ዅሎም ደቂ ዓደይ ስለ ዝፈልጡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ።
12
ሕዚ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ኣነ ወራሲኺ እየ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ።
13
ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፥ ፅባሕ ድማ ንሱ እንተ ወረሰኪ፥ ፅቡቕ፥ ይውረስኪ። ክወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፥ ኣነ ኸም ዝወርሰኪ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ሕዚ ግና ኽሳዕ ዝወግሕ ደቅሲ” በላ።
14
ክሳዕ ዝወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመፀት ኣይፈለጥ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ገና ሰብ ምስ ሰብ እንተይተረኣኣየ ኣንጊሃ ተስአት።
15
ቦኤዝ ግና “እቲ ተኸዲንክዮ ዘለኺ ነፀላ ሃቢ ዘርግሒዮ” በላ። ንሳ ድማ ዘርግሐቶ። ንሱ ኸዓ ዕስራ ኪሎ ግራም ዝኸውን ስገም ሰፊሩ ኣሰከማ። ናብ ከተማ ኸዓ ኣተወት።
16
ናብ ሓማታ ምስ መፀት ድማ “ከመይ ኢኺ ጓለይ?” በለታ። ሩት ከዓ እቲ ዅሉ ቦኤዝ ዝገበረላ ነገረታ።
17
“ናብ ሓማትኪ ጥራሕ ኢድኪ ኸይትኣትዊ ኢሉ እዝ ዕስራ ኪሎ ዝኸውን ስገም እዙይ ሂቡኒ” ድማ በለት።
18
ኑሓሚን ከዓ፥ “ቦኤዝ ነዝ ነገርዙይ ሎሚ እንተይፈፀመ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፥ እቲ ነገር ከመይ ከም ዝውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ” በለታ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4