bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ruth 4
Ruth 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
1
ቦኤዝ ድማ ናብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ ኾፍ በለ። እንሆ ከዓ፥ እቲ ቦኤዝ ብዛዕባኡ ዝተዛረበሉ ናይ ቀረባ ዘመድ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ ፀዊዑ “ኣግልስ እሞ ቕርብ ኢልካ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ ቕርብ ኢሉ ተቐመጠ።
2
ቦኤዝ ድማ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብ ፀዊዑ “ኣብዙይ ተቐመጡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ተቐመጡ።
3
ሽዑ ቦኤዝ ነቲ ወራሲ ቐረባ ዘመዱ “እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ዝተመለሰት ኑሓሚን፥ ነቲ ገራሁ ኣቤሜሌክ ሓውና፥ ክትሸጦ ስለዝደለየት፥
4
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ክትዕድጎ ዝግብአካ ንስኻ ምዃንካ ኸፍልጠካ ሓሰብኩ። ብዘይዝኣኻ ወራሲ የለን፤ ብድሕሬኻ ኸዓ ኣነ እየ እሞ፥ ትዕድጎ እንተ ዄንካ ዓድጎ፤ ዘይትዕድጎ እንተ ዄንካ ግና፥ ክፈልጥ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ክዕድጎ እየ” በለ።
5
ቦኤዝ ድማ “በታ ነታ ግራት ካብ ኑሓሚን እትዕድገላ መዓልቲ፥ እቲ ርስቱ ብስም እቲ ምዉት ምእንቲ ኽፅዋዕ፥ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ እቲ ምዉት ክትወስዳ ኢኻ” በሎ።
6
እቲ ናይ ቀረባ ዘመድውን “ርስተይ ከየባላሹስ ኣይወርሳን እየ። ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ ንስኻ ውረሳ” በሎ።
7
ቀደም ኣብ እስራኤል፥ ኣብ ምውራስን ኣብ ምልዋጥን፥ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ሰብ ሳእኑ ኣውፂኡ ነቲ ብፃዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። በዙይ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።
8
እቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ከዓ ንቦኤዝ “ንስኻ ዓድጎ” በሎ፤ ሳእኑውን ኣውፅአ።
9
ቦኤዝ ከዓ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፥ “ንኣቤሜሌክን ንክልዎንን ንመሓሎንን ዝነበረ ዅሉ፥ ካብ ኑሓሚን ከም ዝዓደግክዎ፥ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።
10
ስም እቲ ምዉት ድማ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቱን ካብ ዝኽሪ ዓዱን ከይጠፍእ፥ ርስቲ እቲ ምዉት ብስሙ ምእንቲ ኽፅዋዕ ኢለ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፥ ሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝወሰድክዋ ሎሚ ምስክር ኢኹም” በሎም።
11
እቶም ኣብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ከዓ፥ “መሰኻኽር ኢና፥ ነዛ ናብ ገዛኻ እትኣቱ ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ከምተን ብሓደ ኾይነን ንቤት እስራኤል ዝሃነፃ፥ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ንስኻ ኸዓ ኣብ ኤፍራታ ሃፍታም ኩን፤ ኣብ ቤተ ልሔምውን ስምካ ይፀዋዕ።
12
ነቶም ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝውለዱ እግዚኣብሄር ይባርኸልካ። ስድራኻ ድማ ኸምቲ ኻብ ይሁዳን ካብ ትእማርን ዝተወልደ ስድራ ፋሬስ ይግበረልካ” በሉ።
13
ሽዑ ቦኤዝ ንሩት ወሰዳ፤ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣውን ኣተወ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ባረኻ እሞ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት።
14
እተን ኣንስቲ ኸዓ ንኑሓሚን “ሎሚ ወራሲ ኣይከልአክን እሞ እግዚኣብሄር ይባረኽ፤ እዝ ቘልዓ እዙይ ድማ ኣብ ኵሉ እስራኤል ስሙ ይፀዋዕ።
15
እታ እተፍቅረክን ካብ ሸውዓተ ወዲ እትበልፅን ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፥ ንሱ ነፍስኺ ዝሕድስን ኣብ እርጋንኪ ዝምግበኪ ክኸውን እዩ” በላኣ።
16
ኑሓሚን ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ሓቘፈቶ፤ ሞግዚቱውን ኮነት።
17
እተን ጐረባብታ ኸዓ “ንኑሓሚን ወዲ ተወሊዱላ” ብምባል ኢዮቤድ ኢለን ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ እዩ፤ እሴይ ከዓ ኣቦ ዳዊት እዩ።
18
ትውልዲ ፋሬስ እምበኣር እዙይ እዩ፦ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፤
19
ኤስሮም ንኣራም ወለደ፤ ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፤
20
ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፤ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፤
21
ሰልሞን ንቦኤዝ ወለደ፤ ቦኤዝ ንኢዮቤድ ወለደ፤
22
ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፤ እሴይ ከዓ ንዳዊት ወለደ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
All chapters:
1
2
3
4