bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ruth 2
Ruth 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
1
ቦኤዝ ዝበሃል ዘመድ ኣቤሜሌክ ሰብኣያ ንኑሓሚን፥ ሃብታምን ፍሉጥን ሰብኣይ ነበረ።
2
እታ ሞኣባዊት ሩት ድማ ንኑሓሚን “ዝፈቕደለይ በዓል ግራት እንተ ረኸብኩስ ከይደ ኽቕርም” በለታ። ኑሓሚን ከዓ “ጓለይ ኪዲ” በለታ።
3
ንሳ ኸይዳ ናብ ግራት ኣትያ፥ ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ ኽትቅርም ጀመረት። እቲ ግራት ከዓ ናይቲ ዘመድ ኣቤሜሌክ ዝኾነ ቦኤዝ ነበረ።
4
እንሆ ድማ ቦኤዝ ካብ ቤተ ልሔም መፂኡ ነቶም ዓፃዶ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በልዎ።
5
ቦኤዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓፃዶ ሓላፊ ንዝነበረ ሓሽከሩ “እዛ መርዓት እዚኣ እንታወይቲ እያ?” በሎ።
6
ንሱ ድማ “ንሳ ምስ ኑሓሚን ካብ ምድሪ ሞኣብ ዝመፀት ሞኣባዊት እያ።
7
‘ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ፥ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፥ ቀሪምዶ ኽቕርምን ክኣርን በይዛኻ ፍቐደለይ?’ በለትኒ። ሕዚ እያ ቑሩብ ኣብ ፅላል ኣዕሪፋ ዘላ እምበር ንግሆ ምስ መፀት ክሳዕ ሕዚ ደው ኣይበለትን” ኢሉ መለሰ።
8
ሽዑ ቦኤዝ ንሩት “ስምዒ እዛ ጓለይ! ነዘን ኣገልገልተይ እናተኸተልኪ ድኣ ቐርሚ እምበር፥ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ።
9
ኣበየናይ ግራት ከም ዝዓፅዱ ርኢኺ ደድሕሪኣቶም ሰዓቢ። ነቶም ኣገልገልተይ ከይነኽኡኺ ኣዚዘዮም ኣለኹ። ማይ እንተ ፀምአኪ ድማ ናብቲ እቶም ኣገልገልተይ ቀዲሖም ዝሰትዩሉ ዕትሮታት ኬድኪ ስተዪ” በላ።
10
ሽዑ ንሳ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፤ “ኣነ ጋሻ እንትኸውን ብኣይ ንኽትግደስ ከመይ ኣብ ቅድሜኻ ዕድል ረኸብኩ?” በለቶ።
11
ቦኤዝ ድማ “እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮን፥ ኣቦኽን እኖኽን ዝተወለድክላ ምድርን ከም ዝሓደግኪ፥ ቀደም ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ኸም ዝመፃእኺ ሰሚዐ እየ።
12
ነቲ ዝገበርክዮ ፅቡቕ ተግባር እግዚኣብሄር ዋጋኺ ይኽፈልኪ፤ ዓስብኺ ኸዓ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትፅግዒ ኢልኪ መፂእኽዮ ዘለኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ምሉእ ይኹን” በላ።
13
ንሳ ኸዓ “ጐይታይ፥ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፥ ንግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ንልቢ ግዝእትኻውን ኣሕጒስካ ኢኻሞ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለት።
14
ጊዜ ምሳሕ ምስ ኮነ፥ ቦኤዝ “ናብዙይ ቅረቢ እሞ እንጀራ ቘሪስኪ ኻብዝ መፂፅ ፀብሒ እዙይ እናፀባሕኺ ብልዒ” በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓፃዶ ተቐመጠት፥ ጥቡስ ሸዊት ከዓ ሃባ፤ ንሳ ድማ በልዐት፤ ፀጊባውን ኣትረፈት።
15
ክትቅርም ምስ ተስአት ድማ፥ ቦኤዝ ነቶም ግዙኣቱ፥ “ኣብ ማእኸል እንዳእቲ እኳ እንተ ቐረመት ኣይተሰቅቕዋ፤
16
ካብ ዕትሪ መሲትኩም ከዓ ኽትኣርዮ ሕደጉላ እምበር ኣይትዀርዩላ” ኢሉ ኣዘዞም።
17
ኣብቲ ግራት ከዓ ኽሳዕ ምሸት እናቐረመት ወዓለት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ኾነ።
18
ፆይራቶ ከዓ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ሓማታ ድማ ነቲ ዝቐረመቶ ረአየት። ሩት ከዓ ነቲ ኻብ ምሳሕ ዘትረፈቶ ኣውፂኣ ሃበታ።
19
እታ ሓማታ ኸዓ፥ “ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ? ኣበይከ ሰሪሕኺ? እቲ ዝተቐበለኪ ቡሩኽ ይኹን” በለታ። ንሳ ኸዓ “ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝሰራሕኹ ሰብኣይ ቦኤዝ እዩ” ኢላ ምስ መን ከም ዝሰርሐት ንሓማታ ነገረታ።
20
ኑሓሚን ንሰበይቲ ወዳ “እቲ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘየቋረፀ እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለት። መሊሳ ድማ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ቀረባ ዘመድና እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ዝረድኡናን ዝወርሱናን እዩ” በለታ።
21
እታ ሞኣባዊት ሩት ከዓ “ንሱስ ‘ብዘሎ ዓፂደይ ክሳዕ ዝውዳእ ካብቶም ኣገልገልተይ ኣይትፈለዪ’ ኢሉኒ” በለታ።
22
ኑሓሚን ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ “ጓለይ፥ ምስተን ኣገልገልቱ እንተ ወፈርኪ ኣብ ካልእ ግራት እንተ ዘይረኸቡኺ ፅቡቕ እዩ” በለታ።
23
ሩት ከዓ፥ ዓፂድ ስገምን ዓፂድ ስርናይን ክሳዕ ዝውዳእ፥ ምስተን ኣገልገልቲ ቦኤዝ ኮይና ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4