bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Samuel 16
1 Samuel 16
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 15
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 17 →
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል፡ ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝከ ኢኻ ንሳኦል እትጒህየሉ ናብ እሴይ ብዓል ቤትልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድ፡ በሎ።
2
ሳሙኤል ከኣ፡ ሳኦል እንተ ሰምዔ፡ ኪቐትለኒ እዩ፡ ከመይ ኢለ ክኸይድ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣርሒ ተማላእ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ኢለ መጻእኩ፡ በሎ።
3
ንእሰይ ከኣ ናብቲ መስዋእቲ ጸውዓዮ፡ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፡ ነቲ ዝብለካ ኸኣ ቅብኣለይ፡ በለ።
4
ሳሙኤል ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፡ ናብ ቤትልሄም ከኣ መጸ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ራዕራዕ እናበሉ ተቐባበልዎ፡ ብሰላምዶ መጺእካ ከኣ በሉ።
5
ንሱ ድማ፡ ብሰላም እየ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደኣ መጺኤ፡ ተቐድሱ፡ ምሳይውን ናብቲ መስዋእቲ ምጹ፡ በለ። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፡ ናብቲ መስዋእቲ ድማ ጸውዖም።
6
ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጹ፡ ንኤልያብ ርእዩስ፡ እቲ ቕብእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡ በለ።
7
እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።
8
ሽዑ እሴይ ንኣቢናዳብ ጸዊዑ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮን፡ በለ።
9
እሴይ ንሳማ ኸኣ ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮን፡ በለ።
10
እሴይ ድማ ንሾብዓተ ደቁ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሐረዮምን፡ በለ።
11
ሳሙኤል ድማ ንእሴይ፡ እዚኣቶም ድዮም ኲሎም እቶም ደቂ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና እቲ ንእሽቶ ተሪፉ ኣሎ፡ እንሆ ድማ፡ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ መኣዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ።
12
ልኢኹ ድማ ኣምጽኦ፡ ንሱ ኸኣ ቀይሕ፡ ጽቡቕ ኣዒንቲ፡ ትርኢቱውን ጽቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ፡ በለ።
13
ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ።
14
መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሳኦል ረሐቐ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፋእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ።
15
እቶም ገላውኡ ድማ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፋእ መንፈስ ደኣ ይሳቕየካ ኣሎ።
16
እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታና ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ዘለው ገላውኻ ምውቃዕ በገና ዚፈልጥ ሰብ ኪደልዩ ይኣዝዝ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፋእ መንፈስ ኣባኻ ኸሎ፡ ንሱ ብኡዱ ኪወቅዕ እዩ እሞ፡ ኪሕሸካ እዩ፡ በልዎ።
17
ሳኦል ድማ ንገላውኡ፡ እምበኣር ጽቡቕ ዚወቅዕ ሰብ ርኣዩለይ እሞ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ በሎም።
18
ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጒባዝ፡ እንሆ፡ ወዲ እሴይ ብዓል ቤትልሄም፡ ፈላጥ ወቓዒ ርእየ ኣሎኹ። ንሱ ብርቱዕ ጅግና፡ ተዋጋኢ ሰብኣይ፡ መስተውዓል ዘረባ፡ መልክዔኛ ሰብኣይ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
19
ሽዑ ሳኦል ንእሴይ፡ እቲ ምስ ኣባጊዕ ዘሎ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
20
እሴይ ድማ እንጌራን ሓርቢ ወይንን እተጻዕነት ኣድግን ሓደ ወጠጦን ወሲዱ፡ ብኢድ ወዱ ዳዊት ገይሩ ናብ ሳኦል ሰደዶ።
21
ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መጸ እሞ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ፡ ኣዝዩ ኸኣ ፈተዎ፡ ጋሻ ዛግሬኡውን ኰነ።
22
ሳኦል ድማ ንእሴይ፡ ዳዊት ኣብ ዓይነት ሞገስ ረኺቡ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ቅድመይ ይቑም፡ ኢሉ ለኣኸሉ።
23
ኰነ ኸኣ፡ ንሳኦል እቲ ኽፋእ መንፈስ ካብ ኣምላኽ ምስ መጾ፡ ደዊት በገና ወሲዱ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ሽዑ ንሳኦል ይፈዂሶን ይሕሾን ነበረ፡ እቲ ኽፋእ መንፈስውን የግልሰሉ ነበረ።
← Chapter 15
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 17 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31