bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Samuel 4
1 Samuel 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 5 →
1
ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል መጸ።እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ወጸ፡ ኣብ ኤብንዔዝር ከኣ ሰፈረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።
2
ፍልስጥኤማውያን ከኣ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ ገፍሔ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ተሳዕሩ፡ ኣብቲ እተሰለፉሉ መሮር ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ።
3
እቲ ህዝቢ ናብ ስፈሩ ምስ ተመልሰ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፡እግዚኣብሄር ስለምንታይ ኰን እዩ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ዝሰዐረና፡ እምበኣርሲ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ንሱ ኣብ ማእከልና ዀይኑ ካብ ኢድ ጻላእትና ምእንቲ ኼድሕነና፡ ካብ ሺሎ ናባና ነምጽኣዮ፡ በሉ።
4
እቲ ህዝቢ ናብ ሺሎ ልኢኹ ኸኣ፡ ካብኣ ነቲ ታቦት ኪዳን፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምጽእዎ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበሩ።
5
ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፡ ብዘለው እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እተንደቕድቕ ብዙሕ እልል በሉ።
6
ፍልስጥኤማውያን ከኣ እቲ ድምጺ እልልታ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ኣብ ሰፈር እስራውያን ዘሎ ድምጺ ብዙሕ እልልታስ እንታይ ኰን እዩ፡ በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ከም ዝኣተወ ኸኣ ፈለጡ።
7
ፍልስጥኤማውያስ ከኣ፡ ኣምላኽ ናብ ሰፈር መጺኡ እዩ፡ ኢሎም ብዙሕ ፈርሁ። በሉ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣይኰነን እሞ ወይለና።
8
ንግብጻውያን ብዂሉ ዓይነት መዓት ኣብ በረኻ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ወይለና፡ ካብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ኬድሕነና እዩ
9
ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፡ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ባሮት እብራውያን ከትኾኑስ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ እወ ሰብ ኡትኩኑ፡ ተዋግኡ።
10
ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፡ እስራኤል ከኣ ተሳዕረ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ። እቲ ውግእ ከኣ ኣዝዩ በርትዔ እሞ፡ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ።
11
ታቦት ኣምላኽ ድማ ተማሪኹ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን፡ ከኣ ሞቱ።
12
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሐደ ብንያማዊ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱውን ሓመድ ነስኑሱ ኻብቲ ውግእ ጐይዩ ናብ ሺሎ መጸ።
13
ንሱ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ልቡ ተጨኒቑ ነበረ እሞ፡ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ ኸኣ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይዋይ በለት።
14
ኤሊ ድማ ድምጺ እቲ ዋይዋይታ ምስ ሰምዔ፡ እዚ ድምጺ ታዕታዕሲ እንታይ ኰን እዩ፡ በለ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ቀልጢፉ ናብ ኤሊ መጺኡ ነገሮ።
15
ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሾሞንተን ዓመት ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ኣዒንቱ ፈዚዘን፡ ኪርኢ ኣይከኣለን።
16
እቲ ሰብኣይ ንኤሊ፡ እቲ ኻብ ውግእ ዝመጸ ኣነ እየ፡ ኣነ ኻብቲ ውግእ ሀደምኩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ወደየ፡ ነገሩ እሞ ኸመይ ኰነ በለ።
17
እቲ መውረዪ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ብዙሕ ሰብውን ተወድኤ፡ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ከኣ ሞይቶም፡ ታቦት ኣምላኽውን ተማሪኹ፡ ኢሉ መለሰ።
18
ኰነ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ምስ ዘከረሉ፡ ኤሊ ኣሪጉ ከቢዱ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጐቦ እቲ ደገ ንድሕሪት ኣቢሉ ኻብ መንበሩ ወደቐ፡ ክሳዱ ተሰቢሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ፈሪዱ እዩ።
19
ሰበይቲ ፊንሃስ ወዱ ድማ፡ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ ከም እተማረኸ፡ ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ ከም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዔት፡ ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ተምበርኪኻ ወለደት።
20
ክትመውት ከላ ኸኣ፡ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ዝበላ ኣንስቲ፡ ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ፡ በላኣ። ንሳ ግና ገለ ኣይመለሰትን፡ ኣብ ልባውን ኣየእተወቶን።
21
እዚ ማለታ፡ ታቦት ኣምላኽ ስለ እተማረኸ፡ ብምኽንያት ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሓቐ፡ ኢላ ነቲ ሕጻን ኢካቦድ ሰመየቶ።
22
ንሳ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐ፡ በለት።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31