bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Samuel 3
1 Samuel 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 4 →
1
ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤል ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረን።
2
ኰነ ኸኣ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኤሊ ኣብ ስፍራኡ ደቂሱ ኸሎ፡ ምርእይ ክሳዕ ዚስእን ኣዒንቱ ሓሚቐን ነበራ፡
3
መብራህቲ ኣምላኽ ከኣ ገና ኸይጠፍኤ ኸሎ፡ ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ እግዚኣብሄር ተገምሲሱ ኸሎ፡
4
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ጸውዖ፡ ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ።
5
ናብ ኤሊ ጐይዩ ድማ፡ ጸዊዒካኒ ኢኻ እሞ፡ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ኣይጸዋዕኩን፡ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ፡ በለ። ከይዱ ኸኣ ደቀሰ።
6
እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንሳሙኤል ጸውዖ፡ ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ወደየ፡ ኣነስ ኣይጸዋዑኩን፡ ተመሊስካ ደቅስ፡ በለ።
7
ሳሙኤል ከኣ ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈለጦን ነበረ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣይተገልጸሉን ነበረ።
8
እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ሳልሳይ ሳዕ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ፡ ሽዑ ኤሊ፡ ነቲ ቘልዓ እግዚኣቢሄር ከም ይጽውዖ ኣስተውዓለ።
9
ኤሊ ኸኣ ንሳሙኤል በሎ፡ ኪድ ደኣ ደቅስ፡ ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እንተ ጸውዓካ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተዛረብ በሎ። ሳሙኤል ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ።
10
እግዚኣብሄር ድማ መጾ፡ ደው ኢሉ ኸኣ ከምቲ ኻልእ ጊዜታት፡ ሳሙኤል፡ ሳሙኤል፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳሙኤል ከኣ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ፡ በሎ።
11
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ንዚሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን ኣዝኑ ዱድ ዜብል ነገር ክገብር እየ።
12
በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤሊ ብዛዕባ ቤቱ እተዛረብክዎ ዘበለ ኻብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኢ ኽገብሮ እየ።
13
እቶም ደቂ ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምጽኡ እናፈለጠስ፡ ብዘይ ምኽልካሎም ስለ ዝበደለ፡ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርደላ፡ ኣፍሊጠዮ እየ እሞ፡
14
ስለዚ ኸኣ ንቤት ኤሊ፡ እቲ በደል ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ብልዒ ንዘልኣለም ኣይዕረቕን እዩ፡ ኢለ ምሒለ እየ።
15
ሳሙኤል ድማ ክሳዕ ዚወግሕ ደቂሱ መዓጹ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። ሳሙኤል እቲ ራእዩ ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሄ።
16
ኤሊ ግና ንሳሙኤል፡ ሳሙኤል ወደይ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ።
17
ኤሊ ድማ፡ እቲ እተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ በጃኻ፡ ካባይ ኣይትሰውሮ። ካብቲ እተዛረበካ ዂሉ ነገር ገለ ዘረባ እንተ ሐባእካለይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፡ ከምኡውን ይድገምካ፡ በለ።
18
ሽዑ ሳሙኤል፡ ካብኡ ገለ ኸይሐብኤ፡ ኲሉ እቲ ዘረባ ነገሮ። ኤሊ ድማ፡ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራዮ ይግበር፡ በለ።
19
ሳሙኤል ከኣ ዐበየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ እሞ፡ ካብቲ ዂሉ ዘረባኡ ገለ እኳ ናብ ምድሪ ኣየውደቐን።
20
ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ድማ፡ ሳሙኤል እሙን ነብዪ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ።
21
እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ብቓል እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ይግለጸሉ ነበረ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሊሱ ኣብ ሺሎ ተራእዮ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31