bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Leviticus 4
Leviticus 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 5 →
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2
ደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሓደ ሰብ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ ብዘይ ፍልጠት ሓጢኣት እንተ ገበረ፡
3
እቲ እተቐብኤ ኻህን እንተ ኾይኑ ሓጢኣት ዝገበረ፡ እሞ በዚ ነቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገበሮ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ጎደሎ ዜብሉ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።
4
ነቲ ዝራብዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የእትዎ።
5
እሞ እቲ ኻህን ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።
6
እሞ እቲ ኻህን ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።
7
እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም ኣብ ኣቕርንቲ እጢ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምኡዝ ዕጣን ይግበር። ኩሉ ደም እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደፈ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።
8
ካብቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኩሉ ስብሒ፡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን የልዕል፡
9
ድማ ክልቲኤን ኩሊትን እቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኣብ ጥቓ ኾለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል፡
10
ከምቲ ኻብ ዝራብዕ መስዋእቲ ምስጋና ዚልዐል፡ ነዚ እቲ ኻህን ኣብ መሰውኢ ምሕራር የሕርሮ።
11
ቆርበት እቲ ዝራብዕን ኩሉ ስጋኡን ምስናይ ርእሱን መሓውሩን ናውቲ ኸብዱን ፈርሱን፡
12
እቲ ዝራብዕ ብምሉእ ኻብ ሰፈር ናብ ጽርይቲ ቦታ፡ ናብቲ ሓሙኹሽቲ ዚጎሓፉ የምጽኣዮ። ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ገይሩ ሓዊ የሕረር።
13
ብዘሎ እቲ ኣኼባ እስራኣኤል ኣንተ ሰሐተ፡ ኣቲ ነገር ከኣ ካብ ኣዒንቲ ማሕበር እንተ ተኸወለ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሮም እንተ በደሉ።
14
እቲ ዝገብርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈልጠ፡ እታ ማሕበር ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሃደ ዝራብዕ ተቕርብ፡ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ተምጽኣዮ።
15
እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ።
16
እቲ እተቐብኤ ኻህን ድማ ካብ ደም ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ።
17
እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ናብ ቅድሚ መጋረጃ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።
18
ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ንኹሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ስንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።
19
ንኹሉ እቲ ስብሒ ድማ ኣብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ።
20
እዚ ነቲ ዝራብዕ ይግበር፡ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከም ዝገበሮ፡ ነዚ ኸኣ ከምእይ ይግበሮ። ከምኡ እቲ ኻህን የተዐርቆም፡ ሽዑ ይሕደገሎም።
21
ነቲ ዝራብዕ ድማ ካብቲ ሰፈር ንወጻኣኢ የውጽኣዮ፡ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘሕረሮ፡ የሕርሮ። እዚ ናይቲ ኣኼባ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
22
ሓደ ሹም ከኣ ከይፈለጠ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ በዲሉ እንተ ሓጥኤ፡
23
እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ድማ እንተ ተፈለጦ፡ ንመስዋእቱ ኻብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጎደሎ ዜብሉ ድቤላ የምጽእ።
24
ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ የንብር፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ዚሐርዱላ ቦታ ኸእ ይሕረዶ። ንሱ መስዋኣቲ ሓጢኣት እዩ።
25
እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ይውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራርውን ይግበሮ። ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።
26
ንኹሉ እቲ ስብሑ ድማ ከምቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና ዚግበር፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ።
27
ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓንቲ ነፍሲ፡ ከይፈለጠት ካብቲ እግዚኣብሄር ፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞስ ሓደ ብምግባራ በዲላ እንተ ሓጥኤት፡
28
እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ መስዋእቱ ጎደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ ጤል የምጽእ።
29
ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ነታ መስዋእቲ ይሕረዳ።
30
እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ ብጻብዑ ወዲሱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር፡ ንኹሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግዚኣብሄር መሰውኢ ይኽዐዎ።
31
ከምቲ ኻብ መስዋኣቲ ምስጋና ዚፍለ ስብሒ፡ ንኹሉ እቲ ስብሒ ይፍለ፡ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ።
32
ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ገንሸል እንተ ኣምጽኤ ኸአ፡ ጎደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ የምጽእ።
33
ኢዱ ድማ ኣ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሓርዱላ ቦታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ።
34
እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር። ንኹሉ ድማ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እዪ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27