bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
John 1
John 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 2 →
1
ብመጀመርታ ቓል ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ።
2
ንሱ ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ።
3
ኵሉ ብእኡ ኾነ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኾነ ድማ፥ ብዘይ ብእኡ ሓደኳ ዝኾነ የለን።
4
ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት።
5
ብርሃንውን ኣብ ፀልማት የብርህ፤ ፀልማት ከዓ ኣይሰዓሮን።
6
ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ዮሃንስ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ።
7
ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኵሎም ብብርሃን ምእንቲ ኽኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መፀ።
8
ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኽምስክር መፀ እምበር፥ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።
9
እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።
10
ኣብ ዓለምውን ነበረ፤ ዓለም ከዓ ብእኡ ኾነ፤ ዓለም ግና ኣይፈለጦን።
11
ናብቶም ናቱ መፀ፤ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን።
12
ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም።
13
ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለዱ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወለዱ እዮም።
14
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
15
ዮሃንስ ብዛዕባኡ፥ “እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ ይዓቢ እዩ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ” እናበለ ዓው ኢሉ መስከረ።
16
ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና።
17
ሕጊ ብሙሴ ተውሃበ፤ ፀጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ።
18
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
19
ኣይሁድ “ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሎም ክጥይቕዎ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ናብኡ ምስ ለኣኹሉ፥ ናይ ዮሃንስ ምስክርነት እዙይ እዩ፦
20
“ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮንኩን” ኢሉ መስከረ እምበር፥ ኣይከሓደን።
21
ንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኢኻ? ኤልያስ ዲኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” በለ። “እቲ ነቢይ ዲኻ?” ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” ኢሉ መለሰሎም።
22
ሽዑ ንሳቶም “መን ደኣ ኢኻ? ነቶም ዝለኣኹና መልሲ ምእንቲ ኽንህቦምስ፥ ንባዕልኻ መን እየ ትብል?” በልዎ።
23
ዮሃንስ ከዓ “ኣነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘መንገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ’ እናበለ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ እየ” በሎም።
24
እቶም ልኡኻት ካብ ወገን ፈሪሳውያን ነበሩ።
25
ንሳቶም ከዓ “እምበኣር ክርስቶስ ወይ ኤልያስ ወይ ነቢይ እንተ ዘይኴንካ፥ ንምንታይ ተጥምቕ ኣለኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
26
ዮሃንስ ድማ “ኣነ ብማይ ኣጥምቕ ኣለኹ፤ ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእኸልኩም ደው ኢሉ ኣሎ።
27
እቲ ቕድመይ ዝነበረ ብድሕረይ ዝመፅእ፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፥ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
28
እዙይ ኣብቲ ዮሃንስ ዘጥምቐሉ ዝነበረ፥ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤተ ራባ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኮነ።
29
ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።
30
“እቲ ኣነ ብዛዕባኡ፥ ‘እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ የመና ይዓቢ እዩ’ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ።
31
ኣነ ኣይፈልጦን ነይረ፤ ንሱ ግና ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለፅ፥ ኣነ ብማይ እናጥመቕኩ መፃእኹ።”
32
መሊሱውን ዮሃንስ ከምዙይ ኢሉ መስከረ፦ “መንፈስ ቅዱስ፥ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኽወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ሓደረ።
33
እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ፥ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንተሎ እትሪኦ፥ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ’ ኢሉኒ ደኣ እምበር፥ ኣነስ ኣይፈልጦን ነይረ።
34
ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።”
35
ንፅባሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኢሉ ነበረ።
36
ንኢየሱስ ክሓልፍ እንተሎ ምስ ረአዮ “እንሆ! ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ” በለ።
37
እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ከዓ፥ እዙይ እንትብል ሰሚዖም ንኢየሱስ ተኸተልዎ።
38
ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ክኽተልዎ እንተለዉ ሪኡ፥ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ረቢ፥ ኣበይ ትነብር?” በልዎ፤ “ረቢ” ትርጕሙ “መምህር” ማለት እዩ።
39
ንሱ ኸዓ “ንዑ ረአዩ” በሎም። መፂኦም ድማ ኣበይ ከም ዝነብር ረአዩ፤ በታ ዕለት እቲኣውን ምስኡ ወዓሉ፤ ጊዜኡውን ዓሰርተ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።
40
ካብቶም ዮሃንስ ዝበሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝተኸተልዎ ኽልተ፥ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ።
41
ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ “ንመሲሕ ረኺብናዮ” በሎ። ትርጕሙ ኸዓ “ክርስቶስ” ማለት እዩ።
42
ናብ ኢየሱስውን ወሰዶ፤ ኢየሱስ ከዓ ናብኡ እናጠመተ “ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ፤ ንስኻ ኬፋ ኽትብሃል ኢኻ” በሎ። ትርጕሙ “ጴጥሮስ” ማለት እዩ።
43
ንፅባሒቱ ኢየሱስ ናብ ገሊላ ክኸይድ ደለየ፤ ንፊልጶስ ከዓ ረኸቦ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ።
44
ፊልጶስ ድማ ኻብ ቤተ ሳይዳ፥ ወዲ ዓዳቶም ንእንድርያስን ንጴጥሮስን ነበረ።
45
ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ “እቲ ሙሴ ኣብ ኦሪት፥ ነቢያትውን ብዛዕባኡ ዝፀሓፉሉ፥ ንኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ በዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ።
46
ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬትዶ ሰናይ ኽወፅእ ይኽእል እዩ?” በሎ። ፊልጶስ ከዓ “ነዓ ረአ” በሎ።
47
ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።
48
ናትናኤል ድማ “ኣበይ ትፈልጠኒ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ፊልጶስ እንተይፀውዐካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ እንተለኻ ሪአካ” ኢሉ መለሰሉ።
49
ናትናኤል ድማ “መምህር፥ ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
50
ኢየሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ በለስ ሪአካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ? ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
51
ኣስዒቡ ኸዓ “ካብ ሕዚ ሰማይ ተኸፊቱ፥ መላእኽቲ እግዚኣብሄርውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ክድይቡን ክወርዱን ከም እትሪኡ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21