bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
John 4
John 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 5 →
1
ጐይታ ኢየሱስ፥ ካብ ናይ ዮሃንስ ዝበዝሑ ደቀ መዛሙርት፥ ከም ዝገበረን ከም ዘጥመቐን፥ ፈሪሳውያን ከም ዝሰምዑ ምስ ፈለጠ፥
2
ግና ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፥ ባዕሉ ኢየሱስ ኣየጥመቐን።
3
እዙይ ምስ ፈለጠ ኸዓ፥ ንምድሪ ይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ተመለሰ።
4
ብሰማርያ ኣቢሉ ኽሓልፍ ከዓ ግዲ ኾኖ።
5
ስለዙይውን ናብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ፥ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መፀ።
6
ኣብኡ ኸዓ ዒላ ያእቆብ ነበረ፤ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መንገዲ ደኺሙ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ተቐመጠ፤ ሽዑ ሽዱሽተ ሰዓት ናይ ቀትሪ ኣቢሉ ነበረ።
7
ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ሰማርያ ማይ ክትቀድሕ መፀት፤ ኢየሱስ ድማ “ማይ ኣስትይኒ?” በላ።
8
ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ምግቢ ኽዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።
9
ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፥ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻስ፥ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ፥ ከመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣለኻ?” በለቶ።
10
ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።
11
እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ፥ መቕድሒ የብልካን፤ እዝ ዒላ ኸዓ፥ ዓሚቝ እዩ፤ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ክተምፅኦ ኢኻ?
12
ንስኻዶ ኻብቲ ነዝ ዒላ እዙይ ዝሃበና ኣቦና ያእቆብ፥ ትዓቢ ኢኻ? ንሱን ደቁን ጥሪቱን ካብኡ ሰተዩ” በለቶ።
13
ኢየሱስ መሊሱ “ኵሉ ኻብዝ ማይ እዙይ ዝሰቲ፥ መሊሱ ኽፀምእ እዩ፤
14
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
15
እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ከይፀምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ፥ መሊሰ ናብዙይ ከይመፅእስ፥ ካብቲ ማይ እቱይ እንዶ ሃበኒ” በለቶ።
16
ኢየሱስ ከዓ “ኪዲሞ ሰብኣይኪ ፀዊዕኺ ናብዙይ ንዒ” በላ።
17
እታ ሰበይቲ መሊሳ “ሰብኣይ የብለይን” በለቶ። ኢየሱስ ከዓ “ሰብኣይ የብለይን ምባልክስ ሓቂ ተዛሪብኪ፤
18
ሓሙሽተ ሰብኡት ነይሮምኺ፤ እዝ ሕዚ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ፤ በዙይ ሓቂ ተዛሪብኪ” በላ።
19
እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ንስኻ ነቢይ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ።
20
ኣቦታትና ኣብዝ እምባ እዙይ ሰገዱ፤ ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ሰባት ክሰግዱሉ ዝግባእ ስፍራ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እዩ ኢኹም እትብሉ” በለቶ።
21
ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንኣብ ዘይሰግዱሉ ጊዜ ኸም ዝመፅእ እመንኒ።
22
ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፤ ንሕና ግና ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፥ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
23
እንተ ኾነ እቶም ብሓቂ ዝሰግዱ፥ ንኣብ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱላ ሰዓት ክትመፅእ እያ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ።
24
ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ፥ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ” በላ።
25
እታ ሰበይቲ ድማ “እቲ ክርስቶስ ዝብልዎ መሲሕ ከም ዝመፅእ እፈልጥ እየ፤ ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኵሉ ኽነግረና እዩ” በለቶ።
26
ኢየሱስ ድማ “ዝዛረበኪ ዘለኹ ኣነ ንሱ እየ” በላ።
27
ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መፁሞ፥ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡ ተገረሙ፤ ግና “እንታይ ትደሊ?” ወይ “ስለ ምንታይከ ምስኣ ትዛረብ ኣለኻ?” ዝበሎ ሓደኳ ኣይነበረን።
28
እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ነቶም ሰባትውን
29
“ኵሉ ዝገበርክዎ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ረአዩ፤ እንድዒ ክርስቶስ ደኣ ኸይኸውን?” በለቶም።
30
እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ ከተማ ወፂኦም ናብኡ መፁ።
31
እዙይ ክኸውን እንተሎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ብላዕ” ኢሎም ለመንዎ።
32
ኢየሱስ ከዓ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣለኒ” በሎም።
33
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ንስንሳቶም “ሰብ ደኾን ዝብላዕ ኣምፂኡሉ ኾይኑ?” ተበሃሃሉ።
34
ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ።
35
ንስኻትኩም ‘ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ቐውዒ ክኸውን ኢዩዶ ኣይኮንኩምን እትብሉ?’ እንሆ እምበኣር ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፥ ናብቲ ገራሁ ጠምቱ፤ እቲ እኽሊ ኸም ዝፃዕደወ፥ ንዓፂድውን ድሮ ኸም ዝበፅሐ ረአዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።
36
እቲ ዝዘርእን እቲ ዝዓፅድን፥ ብሓባር ምእንቲ ኽሕጐሱ፥ እቲ ዝዓፅድ ዓስቡ ይቕበል፤ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ፍረውን ይእክብ።
37
‘እቲ ሓደ ይዘርእ፤ እቲ ሓደ ኸዓ ይዓፅድ’ ዝብል ቃል፥ ሓቂ እዩ እሞ።
38
ኣነ ንኣኻትኩም፥ ኣብ ዘይፀዓርኩምሉ ኽትዓፅዱ ለኣኽኩኹም፤ ካልኦት ፀዓሩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብቲ ዝፀዓሩሉ ኣተኹም” በሎም።
39
እታ ሰበይቲ “ኵሉ ዝገበርክዎ ነጊሩኒ” ኢላ ብዝመስከረቶ ቓል፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብኢየሱስ ኣመኑ።
40
እቶም ሳምራውያን ከዓ፥ ናብኡ መፂኦም ምስኣቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።
41
ካብ ቃሉ ዝተልዓለ ድማ ብዙሓት ኣመኑ።
42
ነታ ሰበይቲ እውን “ባዕልትና ሰሚዕና ደኣ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር፥ ብዘረባኺ ጥራሕ ኣይኮንናን ዝኣመንና” በልዋ።
43
ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ካብኡ ወፂኡ ናብ ገሊላ ኸደ፤
44
ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይኸብር፥ ኢየሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረሞ።
45
መሊሱ ናብ ገሊላ ምስ መፀ እቶም ሰብ ገሊላ ዅሎም ንበዓል መፂኦም ነበሩ እሞ፥ ነቲ ዅሉ በቲ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረአዩ ተቐበልዎ።
46
ኢየሱስ መሊሱ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፥ ኣብ ገሊላ ናብ እትርከብ ቃና መፀ፤ ኣብ ቅፍርናሆም ከዓ፥ ወዱ ዝሓመሞ ናይ ንጉስ ወገን ዝኾነ፥ ሓደ ሹም ነበረ።
47
ንሱ ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ናብኡ ኸደ፤ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዱ ምእንቲ ኸሕውየሉ ንኢየሱስ ለመኖ።
48
ሽዑ ኢየሱስ “ምልክትን ተኣምራትን እንተ ዘይረአኹም ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ።
49
እቲ ሹም ከዓ “ጐይታይ! ወደይ እንተይሞተ ቐልጢፍካ ውረድ” በሎ።
50
ኢየሱስ ድማ “ኪድ፥ ወድኻ ሓውዩ እዩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቓል ኣሚኑ ኸደ።
51
ክወርድ እንተሎ ኣገልገልቱ ተቐበልዎሞ “ወድኻ ሓውዩ” ኢሎም ኣብሰርዎ።
52
ንሱ ኸዓ እታ ዝሓወየላ ሰዓት ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ትማሊ ብሻውዐይቲ ሰዓት ናይ ቀትሪ ረስኑ ሓዲግዎ” በልዎ።
53
ሽዑ ኣቦኡ በታ ኢየሱስ “ወድኻ ሓውዩ እዩ” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ፤ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኸዓ ብኢየሱስ ኣመነ።
54
ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ መፂኡ ዝገበሮ ተኣምራት እዙይ ካልኣይ እዩ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21