bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
John 2
John 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 3 →
1
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና መርዓ ነበረ። እኖ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት።
2
ኢየሱስውን ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ።
3
ወይኒ ምስ ተወድኦም፥ እኖ ኢየሱስ “ወይኒኮ የብሎምን እዩ” በለቶ።
4
ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ? ጊዜይ እኮ ገና ኣይበፅሐን” በላ።
5
እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም።
6
ኣብኡ ኣይሁድ ከምቲ ስርዓቶም ዝነፅሁለን፥ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዝሕዛ፥ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጠን ነበራ።
7
ኢየሱስ ነቶም መሰለፍቲ “ነዘን ኣጋንእ፥ ማይ ምልእወን” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ኣፈን መልእወን።
8
ሽዑ “ሕዚ ቐዲሕኹም ነቲ ኣቦ ዳስ ሃብዎ” በሎም። ንሳቶም ድማ ወሲዶም ሃብዎ።
9
እቲ ኣቦ ዳስ ግና፥ ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ፥ ኻበይ ከም ዝመፀ ኣይፈለጠን፤ እቶም ማይ ዝመልኡ መሰለፍቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ፀዊዑ፦
10
“ኵሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑም ወይኒ የስቲ፤ ብዙሕ ምስ ሰተዩ ኸዓ፥ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሕኻዮ” በሎ።
11
ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዙይ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና ገበረ። ክብሩ ድማ ገለፀ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።
12
ድሕሪዙይ ንሱ፥ እኖኡ፥ ኣሕዋቱ፥ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዶም፥ ኣብኡ ቑሩብ መዓልቲ ተቐመጡ።
13
ፋሲካ ኣይሁድ ቀሪቡ ነበረሞ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
14
ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ፥ ኣብዑርን ኣባጊዕን ርግብታትን ዝሸጡ፥ መሽረፍቲ ገንዘብውን ተቐሚጦም ረኸበ።
15
ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ፥ ንዅሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን፥ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ እውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ።
16
ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም።
17
ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።
18
ሽዑ ኣይሁድ፥ “ነዙይ ክትገብር ስልጣን ከም ዘለካ፥ እንታይ ምልክት ተርእየና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
19
ኢየሱስ ድማ፥ “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ” ኢሉ መለሰሎም።
20
እቶም ኣይሁድ ድማ “እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሃንፀ፤ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኽተልዕሎ ኢኻ?” በልዎ።
21
ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ።
22
ካብ ምዉታን ምስ ተስአ፥ ደቀ መዛሙርቱ ስለዙይ ከም ዝበሎም ዘከሩ፤ በቲ ቓል መፅሓፍን፥ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦን ድማ ኣመኑ።
23
ነቲ ኢየሱስ ብበዓል ፋሲካ ኣብ ኢየሩሳሌም እንተሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረአዩ፥ ብዙሓት ሰባት ብእኡ ኣመኑ።
24
ኢየሱስ ግና ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን።
25
ነቲ ዅሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ፥ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣየድልዮን ነበረ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21