bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
John 3
John 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 4 →
1
ካብ ወገን ፈሪሳውያን ሓለቓ ኣይሁድ ዝኾነ፥ ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብ ነበረ።
2
ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መፂኡ፥ “መምህር፥ ብዘይ እቲ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝኾነ ሰብ፥ ነዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ተኣምራት፥ ክገብሮ ዝኽእል ሓደኳ የለን እሞ፥ ንስኻ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፃእኻ መምህር ምዃንካ ንፈልጥ ኢና” በሎ።
3
ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ እንተ ዘይተወሊዱ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
4
ኒቆዲሞስ ከዓ “ሰብከ ምስ ዓበየ፥ ከመይ ኢሉ ኻልኣይ ክውለድ ይኽእል? መሊሱ ናብ ማህፀን እኖኡ ኣትዩ ኽውለድዶ ይኽእል እዩ?” በሎ።
5
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፤ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ [ቅዱስን] እንተ ዘይተወሊዱ፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የለን።
6
እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ።
7
ካልኣይ ክትውለዱ ኣለኩም ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።
8
ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፤ ድምፁ ኸዓ ትሰምዕ፤ ካበይ ከም ዝመፅእ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ኵሉ እቲ ኻብ መንፈስ [ቅዱስ] ዝውለድ ድማ ኸምኡ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
9
ኒቆዲሞስ ከዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል?” በሎ።
10
ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ መምህር እስራኤል እንትትከውን፥ ከመይ እዝ ነገር እዙይ ዘይትፈልጥ?
11
ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ እንፈልጦ ንዛረብ፤ ዝረአናዮውን ንምስክር፤ ንምስክርነትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።
12
ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ዘይኣመንኩምስ፥ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፥ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ?
13
ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን።
14
ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፥ ከይጠፍእስ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል ኣለዎ።
16
“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።
17
እግዚኣብሄር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድሕን እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን።
18
እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን እዩ፤ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።
19
እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ።
20
ኵሉ እቲ ኽፉእ ዝገብር፥ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለፅ ብርሃን ይፀልእ እምበር፥ ናብ ብርሃን ኣይመፅእን።
21
እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፥ እቲ ግብሩ ብእግዚኣብሄር ዝተገበረ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ ናብ ብርሃን ይመፅእ።”
22
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፤ ኣብኡ ኸዓ እናጥመቐ ምስኣቶም ቀነየ።
23
ኣብ ሄኖን ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፥ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ከዓ እናመፁ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
24
ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረሞ፤
25
ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ስርዓት ምንፃህ፥ ክርክር ተልዓለ።
26
ናብ ዮሃንስ መፂኦም ከዓ “መምህር፥ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፥ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፥ እንሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፤ ኵሎም ከዓ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ” በልዎ።
27
ዮሃንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተውሂብዎስ፥ ሓንቲ እኳ ኽቕበል ኣይኽእልን እዩ።
28
‘ኣነ ቐቅድሚኡ ዝተልኣኽኩ ደኣ እምበር፥ ክርስቶስ ኣይኮንኩን’ ከም ዝበልኩ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።
29
እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፥ ብድምፂ መርዓዊ የመና ይሕጐስ። ደጊም ሓጐሰይ ተፈፀመ።
30
ንሱ ኽልዕል ኣነ ኽትሕት ይግባእ።
31
እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመፅእ፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ፤ እቲ ኻብ ምድሪ ዝኾነ ኸዓ፥ ምድራዊ እዩ፤ ናይ ምድሪ እውን ይዛረብ፤ እቲ ኻብ ሰማይ ዝመፅእ ግና፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ።
32
ነቲ ምስክሩ ደኣ ዝቕበሎ የለን እምበር፥ ንሱስ ነቲ ዝረአዮን ዝሰምዖን እዩ ዝምስክር።
33
እቲ ንምስክርነቱ ዝተቐበለ ግና፥ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ኣረጋገፀ።
34
እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር።
35
ኣብ፥ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ።
36
እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።”
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21