bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
John 5
John 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 6 →
1
ድሕሪዙይ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ፤ ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
2
ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል፥ ሓሙሽተ መመላለሲ ገበላ ዘለዎ ቓላይ ነበረ።
3
ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋፅ ዝፅበዩ ብዙሓት ሕሙማትን፥ ዕዉራትን፥ ሓንካሳትን መፃጕዓትን ይድቅሱ ነበሩ።
4
ፀፀኒሑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ቓላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውፆ ነበረ፤ እቲ ቐዲሙ ወሪዱ፥ ኣብቲ ዝተናወፀ ማይ ዝኣተወ፥ ካብ ዅሉ ዘለዎ ሕማም ይሓዊ ነበረ።
5
ካብ ዝሓምም ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝገበረ፥ ሓደ ሰብ ኣብኡ ነበረ።
6
ኢየሱስ ድማ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረአዮ፥ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ?” በሎ።
7
እቲ ሕሙም ከዓ “ጐይታይ! እቲ ማይ ምስ ተናወፀ፥ ናብቲ ቓላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን፤ ኣነ ኽሳዕ ዝኸይድ ድማ፥ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ።
8
ኢየሱስ ድማ “ተስእ! ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ” በሎ።
9
እቲ ሰብኣይ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ፤ ዓራቱ ተሸኪሙውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት።
10
ስለዙይውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኽትሽከም ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ።
11
ንሱ ግና “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም።
12
ንሳቶም ከዓ “እቲ ‘ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ’ ዝበለካ ሰብ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
13
ኢየሱስ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ተሓዊሱ ነበረሞ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ከም ዘሕወዮ ኣይፈለጠን።
14
ብድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃረ እንተሎ፥ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣለኻ፤ ካብዙይ ዝገደደ ኸይረኽበካ፥ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበር” በሎ።
15
እቲ ሰብኣይ ከዓ ኸይዱ፥ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም።
16
ስለዙይ ብሰንበት ነዝ ነገራትዙይ ስለ ዝገበረ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ የሳጕጉዎ ነበሩ፤ ክቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።
17
ኢየሱስ ግና “ኣቦይ ክሳዕ ሕዚ ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣነውን እሰርሕ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።
18
ስለዙይ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንእግዚኣብሄርውን “ኣቦይ” ስለ ዝበለ፥ ንባዕሉውን ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዘመዓራረየ፥ ኣይሁድ ክቐትልዎ ኣበርቲዖም ይደልዩ ነበሩ።
19
ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ወልድ፥ ነቲ ኣብ ክገብሮ ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብ ባዕሉ ሓንቲ ነገር እኳ ኽገብር ኣይኽእልን እዩ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ዝገብሮ፥ ወልድውን ይገብሮ።
20
ኣብ፥ ንወልድ ስለ ዘፍቅሮ፥ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ የርእዮ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድነቑውን፥ ካብዙይ ዝዓቢ ግብሪ ኸርእዮ እዩ።
21
ኣብ፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ህያዋንውን ከም ዝገብሮም፥ ወልድ ድማ፥ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም።
22
ኵሉ ሰብ ከምቲ ንኣብ ዘኽብሮ፥ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ፥ ኵሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ እምበር፥ ኣብ ንሓደኳ ኣይፈርድን እዩ፤ ንወልድ ዘየኽብር፥ ነቲ ዝለኣኾ ኣብውን ኣየኽብርን።
24
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
25
እቶም ምዉታን፥ ድምፂ ወዲ እግዚኣብሄር ዝሰምዑላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ፤ ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ ብህይወት ከም ዝነብሩ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
26
ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።
27
ወዲ ሰብ፥ ስለ ዝኾነ ድማ ኽፈርድ ስልጣን ሃቦ።
28
ኵላቶም እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ፥ ድምፁ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመፅእ እያ እሞ፥ በዙይ ኣይትገረሙ።
29
ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ህይወት፥ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ኵነኔ፥ ክኸዱ እዮም።
30
“ኣነ ኻብ ርእሰይ ሓደ ነገርኳ ኽገብር ኣይክእልን፤ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይገብርን እየሞ፤ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕኽዎ እየ ዝፈርድ፤ ፍርደይ ከዓ ቕኑዕ እዩ።
31
ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ ዝምስክር እንተ ኾይነ፥ ምስክርነተይ ሓቂ ኣይኮነን።
32
ግና ንኣይ ዝምስክረለይ ካልእ እዩ፤ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክርነት ከዓ፥ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ እየ።
33
ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፤ ንሱ ኸዓ ንሓቂ መስከረ።
34
እዙይ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ እምበር፥ ኣነስ ምስክርነት ሰብ ደልየ ኣይኮንኩን።
35
ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም።
36
ኣነ ግና ኻብ ምስክርነት ዮሃንስ ዝበልፅ ምስክር ኣለኒ፤ እዙይ ድማ፥ እቲ ኣብ ክፍፅሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፥ ኣነውን ዝገብሮ ዘለኹ፥ ኣብ ከም ዝለኣኸኒ ንሱ ይምስክረለይ እዩ እሞ።
37
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ ከዓ፥ ባዕሉ መስኪሩለይ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ድምፁ ኸቶ ኣይሰማዕኹምን፤ መልክዑውን ከቶ ኣይረአኹምን።
38
በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘይኣመንኩም ከዓ፥ ቃሉ ኣባኻትኩም ኣይሓድርን።
39
ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ።
40
ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም።
41
ኣነ ኻብ ሰብ ከንቱ ኽብሪ ኣይደልን እየ።
42
ንስኻትኩም ግና ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።
43
ኣነ ብስም ኣቦይ መፂአ ኣይተቐበልኩምንን፤ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መፀ ግና፥ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።
44
ንስኻትኩም ካብ ብፃይኩም ክብሪ እናደለኹም፥ ናይ ሓደ እግዚኣብሄር ክብሪ ግና ዘይትደልዩ፥ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ?
45
ኣነ ኣብ ኣብ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም፤ ዝኸሰኩምስ ኣሎ፤ ንሱውን እቲ ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ ዝኸሰኩም።
46
ንሙሴ እንተ እትኣምንዎስ፥ ንሱ ብዛዕባይ ፅሒፉ እዩ እሞ፥ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።
47
ነቲ ሙሴ ዝፀሓፎ እንተ ዘይኣሚንኩም ግና፥ ከመይ ጌርኩም ድኣ ንቓለይ ክትኣምኑ?”
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 6 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21