bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Mark 1
Mark 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 2 →
1
ናይ ወዲ እግዚኣብሄር ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል መጀመርታ እዙይ እዩ።
2
ከምቲ ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያት፦ “እንሆ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ’ እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ” ዝብል ከም ዝተፅሓፈ፥
4
ዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ እናጥመቐን፥ ንስርየት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸን መፀ።
5
ኵሎም ሰብ ይሁዳን ሰብ ኢየሩሳሌምን፥ ናብኡ እናኸዱ ሓጢኣቶምውን እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
6
ዮሃንስ፥ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ፥ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ ኣዲም፥ ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።
7
ንሱ ኸዓ “ካባይ ዝብርትዕ፥ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ኽፈትሐሉ ዘይበቅዕ፥ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ።
8
ኣነ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ።
9
በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ፥ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መፀ፤ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ፥ ብዮሃንስ ተጠመቐ።
10
ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትወርድ ረአየ፤
11
“ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማያት መፀ።
12
ሽዑ ንሽዑ ኸዓ መንፈስ [ቅዱስ] ናብ በረኻ ኣውፅኦ።
13
ኣብቲ በረኻ ድማ፥ ብሰይጣን እናተፈተነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ፤ ምስ ኣራዊት ከዓ ነበረ፤ መላእኽቲ እውን ኣገልገልዎ።
14
ድሕሪ ምእሳር ዮሃንስ፥ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መፂኡ፥ ወንጌል መንግስቲ እግዚኣብሄር ሰበኸ።
15
“እዋኑ በፂሑ እዩ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ!” ይብል ነበረ።
16
ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ፥ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኸውርዱ እንተለዉ ረአየ።
17
ኢየሱስ ድማ “ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ!” በሎም።
18
ንሳቶም ድማ መርበቦም ሓዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።
19
ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ምስ በለ ድማ፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን፥ ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ከተዓራርዩ እንተለዉ ረአዮም እሞ
20
ፀውዖም። ንሳቶም ከዓ ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ተኸተልዎ።
21
ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ከዱ፤ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ኽምህር ጀመረ።
22
ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።
23
እንሆ ኸዓ ኣብቲ ቤተ ፀሎቶም፥ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ነበረ።
24
እናእወየ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ” በለ።
25
ኢየሱስ ድማ “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ።
26
እቲ ርኹስ መንፈስ ከዓ፥ ነቲ ሰብኣይ ፈርፈር ኣበሎ፤ ብዓብዪ ድምፂ እናእወየ ድማ ኻብኡ ወፀ።
27
ኵላቶም ከዓ “እንታይ ደኣ እዩ እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይእዘዝዎ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ።
28
ሽዑ ዝናኡ ናብ ኵሉ ኸባቢ ገሊላ ወፀ።
29
ሽዑ ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን፥ ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ።
30
ሓማት ስምኦን ከዓ ረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ነበረት እሞ፥ ሽዑ ብዛዕባኣ ነገርዎ።
31
ኢየሱስ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፥ ብኢዳ ሒዙ ኣተስኣ እሞ፥ እቲ ረስና ሽዑ ንሽዑ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተሲኣ ኣገልገለቶም።
32
ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ፥ ንዅሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ናብኡ ኣምፅእዎም።
33
ኵላቶም ሰባት እታ ኸተማ ድማ፥ ኣብቲ በሪ ተኣከቡ።
34
ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት ኣሕወየ፤ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅአ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ፥ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፥ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
35
ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።
36
ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ።
37
ምስ ረኸብዎ ኸዓ፥ “ኵሉ ሰብ እኮ ይደልየካ እዩ ዘሎ” በልዎ።
38
ንሱ ድማ “ኣብኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናብተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ኻልኦት ዓድታት ንኺድ፤ ብዛዕባ እዙይ እየ መፂአ ዘለኹሞ” በሎም።
39
ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸን ኣጋንንቲ እውን እናውፅአ፥ ኣብ ኵሉ ገሊላ ይዘዋወር ነበረ።
40
ሓደ ለምፃም ናብኡ መፂኡ፥ ተንበርኪኹ “ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ።
41
ኢየሱስ ከዓ ራህርሀሉ፤ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ ንፃህ!” በሎ።
42
እዙይ ምስ በሎ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ለምፁ ነፅሀ።
43
ኢየሱስ ድማ “ንሓደኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ንባዕልኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” ኢሉ ብብርቱዕ ኣጠንቀቖ።
45
ንሱ ግና ወፂኡ ብዙሕ ኽነግር ጀመረ፤ ስለዙይ ኢየሱስ ብገሃድ፥ ናብ ከተማ ምእታው ኣይከኣለን፤ ኣብ ፅምዊ ቦታ ደኣ ነበረ እምበር፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ኵሉ ቦታ ናብኡ ይመፁ ነበሩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16