bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Mark 5
Mark 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 6 →
1
ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን በፅሑ።
2
ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ድማ፥ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ፥ ካብ መቓብር ወፂኡ ተራኸቦ።
3
ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፤ ብሰንሰለት ኣሲሩ ኸፅንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን።
4
ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ጊዜ ይእሰር ነበረ፤ እንተ ኾነ ነቲ ሰንሰለት ይበታትኾ፥ ነቲ መቝሕ ከዓ ይሰባብሮ ስለ ዝነበረ፥ ሒዙ ኸፅንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን።
5
ኵልሻዕ ድማ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ መቓብርን ኣብ እምባታትን ኮይኑ የእዊ፤ ሰብነቱ ኸዓ ብፅንፅልሒት ይትልትል ነበረ።
6
ንኢየሱስ ብርሑቕ ምስ ረአዮ ጐዪዩ ሰገደሉ፤
7
“ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።
8
እዙይ ዝበለ ኸዓ ኢየሱስ “ኣታ ርኹስ መንፈስ፥ ካብዝ ሰብ እዙይ ውፃእ” ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዩ።
9
ኢየሱስ ከዓ “ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ጋኔን ድማ “ብዙሓት ኢናሞ ስመይ ‘ሌጌዎን’ እዩ” ኢሉ መለሰ።
10
ካብታ ዓዲ ኣውፂኡ ኸይሰዶም ከዓ ብዙሕ ለመኖ።
11
እንሆ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ፀግዒ እምባ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊረን ነበራ።
12
ንሳቶም ከዓ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ፥ ናብኣተን ክንኣቱ ኢሎም ለመንዎ።
13
ኢየሱስ ድማ ፈቐደሎም፤ እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ኸዓ፥ ወፂኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እተን ክልተ ሽሕ ዝኣኽላ ሓሰማታት በርጊገን በቲ ፀድፊ ናብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ።
14
እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከዓ ኣውረዩ፤ እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ዝኾነ ነገር ክሪኡ ወፁ።
15
ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሒዝዎ፥ [ሌጌዎን] ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ኮፍ ኢሉ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሑ።
16
እቶም ዝረአይዎ ድማ፥ ነቲ ብዛዕባ እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብን፥ ብዛዕባ እተን ሓሰማታት ዝኾነ ነገርን ነገርዎም።
17
ሽዑ እቶም ህዝቢ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ክልምንዎ ጀመሩ።
18
ኢየሱስ ናብ ጃልባ እናደየበ እንተሎ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ምስኡ ክኸይድ ለመኖ።
19
ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሉን፤ “ናብ ገዛኻን ናብ ወገናትካን ኪድ፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረልካን ዝመሓረካን ድማ ንገሮም!” በሎ።
20
ንሱ ኸዓ ዅሉ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ፥ ዓሰርተ ኸተማታት ናብ ዝበሃል ዓዲ ኸይዱ ኽነግር ጀመረ፤ ኩሎምውን ተገረሙ።
21
ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስተሳገረ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ወሰን ባሕሪ ናብኡ ተኣከበ።
22
ኢያኢሮስ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ኸዓ፥ ኣብ እግሩ ወዲቑ
23
“ጓለይ ክትመውት ስለ ዝቐረበት፥ ምእንቲ ሓውያ፥ ብህይወት ክትነብር መፂእኻ ኢድካ ኣንብረላ” እናበለ ኣበርቲዑ ለመኖ።
24
ኢየሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፤ ብዙሕ ህዝቢ እውን ሰዓቦ፤ ኣብ ዙርያኡውን ይደፋፋእ ነበረ።
25
እንሆ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ፥ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ነበረት።
26
ናብ ብዙሓት ሓኻይም ብምኻድ ብዙሕ ተሳቐየት፤ ኵሉ ገንዘባውን ወድአት፤ እንተ ኾነ ገደዳ ደኣ እምበር ኣይጠቐማን።
27
ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐት፥ “ክዳኑ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ” ኢላ፥ ብማእኸል እቶም ህዝቢ ሓሊፋ፥ ብድሕሪኡ መፂኣ ኽዳኑ ነኽአት።
29
እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ኸዓ፥ ብቕፅበት ቆመ፤ ካብ ሕማማ ኸም ዝሓወየትውን ተፈለጣ።
30
ኢየሱስ ከዓ ሽዑ ኻብኡ ሓይሊ ኸም ዝወፀ ፈሊጡ፥ ናብቶም ህዝቢ ግልፅ ኢሉ፥ “መን እዩ ኽዳነይ ዝነኽአ?” በለ።
31
ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ህዝቢ ናባኻ እንትፀቓቐጥ እናረአኻስ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።
32
ኢየሱስ ነቲ እዙይ ዝገበረ ንኽርኢ ምልስ ኢሉ ጠመተ።
33
እታ ሰበይቲ ግና፥ እቲ ኣብኣ ዝኾነ ስለ ዝፈለጠት፥ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠት መፂኣ ሰገደትሉ፤ ኵሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ።
34
ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ እያ ዘሕወየትኪ፤ ብሰላም ኪዲ፤ ካብ ሕማምኪውን ሕወዪ!” በላ።
35
ኢየሱስ ገና እዙይ ኽዛረብ እንተሎ፥ ካብቲ ገዛ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሰባት መፂኦም፥ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ንመምህር እተድክሞ?” በልዎ።
36
ኢየሱስ ከዓ እቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ደኣ” በሎ።
37
እንትርፊ ጴጥሮስን ያእቆብን፥ ሓው ያእቆብ ዮሃንስን ሓደኳ ኽስዕቦ ኣይፈቐደን።
38
ናብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ብዙሓት [ዘልቅሱን] ዝበኽዩን ዋይ ዋይ ዝብሉን ረአየ።
39
ኣትዩ “ስለ ምንታይ ዋይ ዋይ ትብሉን ትበኽዩን? እዛ ቘልዓኮ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” በሎም።
40
ንሳቶም ከዓ ሰሓቕዎ፤ ንሱ ግና ንዅሎም ኣውፂኡ፥ ነቦ እታ ቘልዓን ንኖኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ሒዙ፥ ናብቲ እታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ።
41
ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ኸዓ “ጣሊታ ቑሚ!” በላ። ትርጕሙ ኸዓ “ኣቲ ጓል፥ ተስኢ እብለኪ ኣለኹ” ማለት እዩ።
42
እታ ጓል ድማ ብቕፅበት ተሲኣ ተዋሳወሰት፤ ዕድሚኣ ድማ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ። ሽዑ የመና ተገረሙ።
43
ንሱ ኸዓ፥ ነዙይ ሓደኳ ኸይፈልጦ ብፅኑዕ ኣዘዞም፤ ዝብላዕ ክህብዋ ድማ ነገሮም።
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 6 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16