bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Mark 3
Mark 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 4 →
1
ኢየሱስ መሊሱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።
2
ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ብሰንበት ዘሕውዮ እንተ ኾይኑ ይፀናተውዎ ነበሩ።
3
ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ።
4
ንኣኣቶም ድማ “ብሰንበትስ ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር? ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ።
5
በቲ ትረት ልቦም ጕህዩ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም፥ ብቝጥዓ ጠመቶም፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ዘርግሓ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት።
6
ፈሪሳውያን ድማ ወፂኦም፥ ብቕልጡፍ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ምስ ሰባት ሄሮድስ ተማኸሩ።
7
ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ፤ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከዓ፥ ብዙሓት ሰባት ሰዓብዎ።
8
ከምኡውን ብዙሕ ህዝቢ፥ ነቲ ዅሉ ዝገበሮ ሰሚዑ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ኤዶምያስ፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ መፀ።
9
ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይዳፍኦ ጃልባ ኣዳልዮም ከፅንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም።
10
ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፥ ኵሎም ሕማም ዘለዎም ምእንቲ ኽነኽእዎ ኽሳዕ ዝወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ።
11
እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ምስ ረአይዎ “ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሎም እናእወዩ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ ነበሩ።
12
ንሱ ግና ኸየግህድዎ ኣበርቲዑ ኣዘዞም።
13
ኢየሱስ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ነቶም ዝደለዮም ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ናብኡ መፁ።
14
ምስኡ ክኾኑን፥ ክሰብኩ ምእንቲ ኽልእኾምን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሪፁ “ሃዋርያት” ኢሉ ሰመዮም።
15
[ሕሙማት ከሕውዩን] ኣጋንንቲ ኸውፅኡን ድማ ስልጣን ሃቦም።
16
እቶም ዓሰርተ ኽልተ ድማ፦ “ጴጥሮስ” ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦን፥
17
እቶም “ቦኣኔርጌስ” ማለት “ደቂ ነጐድጓድ” ኢሉ ዝሰመዮም ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ሓዉ ዮሃንስን፥
18
እንድርያስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ወዲ እልፍዮስ ያእቆብን፥ ታዴዎስን፥ ስምኦን ቀነናዊን፥
19
እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን እዮም።
20
ኢየሱስ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ምብላዕ ምግቢ ኽሳዕ ዝስእኑ መሊሱ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ።
21
እቶም ኣዝማዱ ኸዓ “ዓቢዱ እዩ” እንትበሃል ሰሚዖም ክሕዝዎ መፁ።
22
ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ “ብኤል ዜቡል ሒዝዎ ኣሎ፤ ንኣጋንንቲ እውን ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ።
23
ኢየሱስ ድማ ፀውዖም፤ ብምስላታት ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኸውፅኦ ይኽእል?
24
ሓንቲ መንግስቲ ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።
25
ሓንቲ ስድራውን ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ ስድራ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።
26
ሰይጣን ከዓ ንስንሳቱ ተፃሊኡ እንተ ተፈላልዩ፥ ይጠፍእ ደኣ እምበር ኣይቐውምን።
27
ነቲ ሓያል ቅድም እንተይኣሰረ፥ ኣብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ንብረቱ ኽጕርጕር ዝኽእል ሓደኳ የለን። ምስ ኣሰሮ ግና ነቲ ገዛኡ ኽጕርጕር ይኽእል።
28
ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ክሕደገሎም እዩ።
29
እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ንዘለኣለም ኵነኔ ደኣ ይኾኖ እምበር ፈፂሙ ኣይሕደገሉን እዩ።”
30
ከምዙይ ዝበሎም ድማ “ርኹስ መንፈስ ሓዲርዎ” ስለ ዝበልዎ እዩ።
31
እኖኡን ኣሕዋቱን ናብኡ መፁ፤ ኣብ ደገ ቖይሞም ከዓ ኽፅውዕዎ ለኣኹሉ።
32
ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጡ ነበረሞ፥ “እንሆ እኖኻን ኣሕዋትካን ኣብ ደገ ይደልዩኻ ኣለዉ” በልዎ።
33
ንሱ ድማ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሎም።
34
ነቶም ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ እናጠመተ “እኖይን ኣሕዋተይንስ እኒሀዉ” በለ።
35
“ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በሎም።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16