bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Mark 2
Mark 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 3 →
1
ኢየሱስ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ናብ ቅፍርናሆም ተመሊሱ መፀ፤ ኣብ ገዛ ኸም ዘሎውን ተሰምዐ።
2
መረባ ኽሳዕ ዝፀቦም ብዙሓት ሰባት ናብኡ ተኣከቡ፤ ቃሉውን ይነግሮም ነበረ።
3
ኣርባዕተ ሰባት ድማ ንሓደ መፃጕዕ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ።
4
ካብ ፃዕቒ ህዝቢ ዝተልዓለ ናብኡ ኸእትውዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ ናብቲ ናሕሲ ደዪቦም በቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ወገን ነቲ ናሕሲ ኣልዒሎም፥ ነቲ መፃጕዕ ምስቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ዓራት ናብኡ ኣውረድዎ።
5
ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
6
እንሆ ኸዓ ኻብ መምህራን ሕጊ ገሊኣቶም ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ ብልቦም ድማ “ንምንታይ እዩ እዝ ሰብ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ዝፃረፍ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ይሓስቡ ነበሩ።
8
ኢየሱስ ድማ ብልቦም እዝ ሓሳብዙይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመንፈሱ ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ትሓስቡ ኣለኹም?
9
ኣየናይ ይቐልል? ነዝ መፃጕዕ እዙይ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ምባል?
10
እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ እዩ” ኢሉ፥ ነቲ መፃጕዕ፥
11
“ተስእ እሞ ዓራትካ ተሰኪምካ፥ ናብ ገዛኻ ኺድ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
12
እቲ መፃጕዕ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተሲኡ፥ ዓራቱ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወፀ። ስለዙይ ድማ ዅሎም ተደነቑ እሞ፥ “ከምዙይ ዝበለ ኸቶ ኣይረአናን” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
13
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ወሰን ባሕሪ ኣቢሉ ኸደ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ናብኡ መፁ፤ ይምህሮምውን ነበረ።
14
ክሓልፍ እንተሎ ድማ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብቲ ቐረፅ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ተሲኡ ተኸተሎ።
15
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ገዛ ሌዊ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ፤ ዝተኸተልዎ ብዙሓት ነበሩሞ፥ ብዙሓት ቀረፅትን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።
16
እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኢየሱስ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ክበልዕን ክሰትን ምስ ረአይዎ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ዝበልዕን ዝሰትን?” በልዎም።
17
ኢየሱስ ከዓ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይደልይዎን፤ ኣነ ኸዓ ንሓጥኣን እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።
18
ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይፆሙ ነበሩ። ሰባት መፂኦም፥ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንን ይፆሙ እዮም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይፆሙ?” ኢሎም ንኢየሱስ ጠየቕዎ።
19
ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙዶ ይኽእሉ? መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይግብኦምን።
20
እንተ ኾነ መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ኽፆሙ እዮም።
21
ሓድሽ ቍራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ከቶ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፤ ምቕዳዱ ኸዓ ዝገደደ ይኸውን።
22
ንሓድሽ ወይኒ ድማ፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ብላይ ሓርቢ ይቐዶሞ፥ እቲ ወይኒ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢውን ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ” በሎም።
23
ኢየሱስ ብሰንበት ብማእኸል ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ ምብላዕ ጀመሩ።
24
ፈሪሳውያን ከዓ “እስኪ ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ብሰንበት ክግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ?” በልዎ።
25
ኢየሱስ ድማ “ብዘመን ሊቀ ካህናት ኣብያታር፥ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን፥ ንሱ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ እቲ ካህናት ጥራሕ እምበር ካልኦት ክበልዕዎ ዘይተፈቐደ ሕብስቲ ቝርባን ከም ዝበልዐን፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምንዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም።
27
“ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን።
28
እምበኣርከስ ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበትውን እዩ” በሎም።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16