bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Mark 4
Mark 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 5 →
1
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾይኑ ኽምህሮም ጀመረ። ኣብ ባሕሪ ናብ ጃልባ ደዪቡ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ።
2
ብምስላታት ገይሩ ብዙሕ ነገራት መሃሮም። ክምህሮም እንተሎ ድማ፦
3
“ስምዑ፥ እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ።
4
ክዘርእ እንተሎ ሓድሓደ ዘርኢ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐ፤ ኣዕዋፍ መፂአን ድማ በልዓኦ።
5
ገሊኡ ድማ፥ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት ሓመድ ስለ ዘይብሉ ኸዓ፥ ቀልጢፉ በቘለ።
6
ፀሓይ ምስ በረቐ ግና ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።
7
ገሊኡ ኸዓ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾኽ ከዓ ዓብዩ ሓነቖ፤ ፍረውን ኣይሃበን።
8
ገሊኡ ድማ ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ በቘለ፤ ዓበየ፤ ፈረየውን፤ ገሊኡ ሰላሳ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ኸዓ ሚእቲ ሃበ።
9
ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።
10
ንበይኑ ምስ ኮነ ኸዓ፥ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ፥ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እቲ ምስላታት ጠየቕዎ።
11
ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ፤ ነቶም ብወፃኢ ዘለዉ ግና፥
12
‘ምርኣይ ክሪኡ ግና ኸየስተብህሉ፥ ምስማዕውን ክሰምዑ ግና ኸየስተውዕሉ፥ ንስሃ ኸየኣትዉሞ ምሕረት ከይግበረሎምስ፥ ኵሉ ብምስላ እዩ ዝንገሮም።’ ”
13
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነዝ ምስላ እዙይዶ ኣየስተውዓልኩምዎን ኢኹም? ከመይ ጌርኩም ደኣ፥ ንዅሉ ምስላታት ክትርድእዎ ኢኹም?
14
እቲ ዘራኢ ቓል እዩ ዝዘርእ።
15
ገሊኣቶም ሰባት፥ ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዮም ዝመስሉ፤ ምስ ሰምዑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ።
16
ከምኡ ኸዓ ገሊኣቶም፥ ነቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ሽዑ ንሽዑ ብሓጐስ ይቕበልዎ።
17
ንጊዜኡ እምበር ሱር የብሎምን፤ ደሓር ግና ስለ እቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኮነ፥ ቀልጢፎም ይኽሕዱ።
18
ገሊኣቶም ከዓ፥ ነቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ይሰምዑ፤
19
እንተ ኾነ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ፍቕሪ ሃብትን፥ ካልእ ትምኒትን ኣትዩ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን።
20
ገሊኣቶም ከዓ ኸምቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝተዘርአ እዮም፤ ነቲ ቓል ይሰምዕዎ፤ ይቕበልዎ፤ ገሊኣቶም ሰላሳ፥ ገሊኣቶም ስሳ፥ ገሊኣቶምውን ሚእቲ ይፈርዩ።”
21
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰብ መብራህቲ ኣብሪሁ ኣብ ውሽጢ ኸፈር ወይ ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ ዓራት ድዩ ዘቐምጦ? ኣብ ቀዋሚ ቐንዲልዶ ኣይኾነን ዘቐምጦ?
22
ዘይገሃድ ሕቡእ፥ ዘይግለፅ ስዉር የለን፤
23
ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”
24
መሊሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ እትሰምዕዎ ኣስተብህሉሉ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም፥ ክውሰኸልኩምውን እዩ።
25
ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ።”
26
ከምዙይ ድማ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግራቱ ዘርኢ ኸም ዝዘርእ ሰብ እያ።
27
ንሱ ብለይቲ ይድቅስ ብመዓልቲ ድማ ይትስእ፤ እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ እንተይፈለጠ ይበቍል፤ ይዓቢውን።
28
እታ ምድሪ ባዕላ ተብቍል፤ ቅድም በቝሊ፥ ደሓር ዘለላ፥ ኣብቲ ዘለላ ድማ፥ ብፁሕ ስርናይ፥
29
ፈፂሙ ምስ ፈረየ ኸዓ፥ ቀውዒ ስለ ዝበፅሐ ማዕፂድ ይሰድድ።”
30
መሊሱ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ ክንምስላ? እንታይከ ምስላ ንግበረላ?
31
ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ ዝነኣሰት፥ ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርአት ፍረ ኣድሪ እያ።
32
ምስ ተዘርአት ግና ትበቍል፤ ካብ ኵሉ ኣሕምልትውን ትዓቢ፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ኸዕርፋ ኽሳዕ ዝኽእላ ኸዓ፥ ዓበይቲ ጨናፍር ትገብር።”
33
ከም መጠን ምስትውዓሎም፥ ነቲ ቓል በዝ ኸምዙይ ዝበለ ምስላታት ይነግሮም ነበረ።
34
ብዘይ ምስላ ኣይተዛረቦምን፤ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ንበይናቶም ኵሉ ይገልፀሎም ነበረ።
35
በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ማዕዶ ንሳገር” በሎም።
36
ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፥ ምስኣቶም ብጃልባ ወሰድዎ፤ ካልኦት ጃልባታት ከዓ ምስኡ ነበራ።
37
ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ተልዓለ፤ እታ ጃልባ ኽሳዕ ማይ እትመልእ ድማ፥ እቲ ማዕበል ናብታ ጃልባ ይኣቱ ነበረ።
38
ኢየሱስ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣበራቢሮም፥ “መምህር፥ ምጥፋእና ኣየሕዝነካን ድዩ?” በልዎ።
39
ንሱ ኸዓ ተሲኡ ነቲ ነፋስ ገሰፆ፤ ነታ ባሕሪ ድማ “ፀጥ በሊ! ህድኢ!” በላ። እቲ ንፋስ ድማ ፀጥ በለ፤ ዓብዪ ህድኣትውን ኮነ።
40
ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ትፈርሑ? ክሳዕ ክንድዙይዶ እምነት የብልኩምን?” በሎም።
41
ንሳቶም ግና የመና ፈርሑ፤ ንስንሳቶም ድማ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ መን እዩ!” ተበሃሃሉ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16