bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Chronicles 1
2 Chronicles 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 2 →
1
ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣብ መንግስቱ ጸንዔ። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ ልዕል ኣቢሉ ኸኣ ኣዕበዮ።
2
ሰሎሞን ድማ ንብዘሎ እስራኤል፡ ንሓላቑ ሽሕን ሚእትን ንፈረድትን ንዂሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፡ ተዛረቦም።
3
እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ዝገበሮ ናይ ኣምላኽ ድንኳን ምርኻብ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ሰሎሞን፡ ብዘሎ ማሕበር ከኣ ምስኡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ በሪኽ ከዱ።
4
ግናኸ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የረዓም ናብታ ንሱ ዘዳለወትሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ።
5
እቲ በሳልኤል፡ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፡ ዝገበሮ መሰውኢ ኣስራዚ ግና ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር ነበረ። ሰሎሞንን እታ ማሕበርን ከኣ ኣብኡ ይጥይቑ ነበሩ።
6
ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ኣብ ልዕሊኡ ሽሕ ዚሐርር መስዋእቲ ሰውኡ።
7
ኣምላኽ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ ድማ በሎ።
8
ሰሎሞን ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ንስኻ ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ኣንገስካኒ።
9
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ምብዛሑ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝዀነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ነቦይ ዳዊት ዝነገርካዮ ቓል ሕጂ ፈጽሞ።
10
ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ፡ በለ።
11
ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን፡ እዚ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምፍራድ ምእሻቲ ኽትክእልስ፡ ጥበብን ፍልጠትን ኪውሀበካ ስለ ዝለመንካ እምበር፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ወይ ነፍሲ ጸላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ኻብ ዘይለመንካስ፡
12
ጥበብ ፍልጠትን ተዋሂቡካ ኣሎ። ድማ ቅድሜኻ ንዝዀነ ዘበለ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፡ ብድሕሬኻ ዚትንስእ ዘበለውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ክህበካ እየ፡ በሎ።
13
ሰሎሞን ድማ ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ ናብ የሩሳሌም መጸ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ገዝኤ።
14
ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን አከበ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ። ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ንጉስ ኣቐመጦም።
15
እቲ ንጉስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ወርቅን ብሩርን ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።
16
እቶም ንሰሎሞን ዝነበርዎ ኣፍራስ ከኣ ካብ ግብጺ እዮም ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ ናይ ንጉስ ነጋዶ ብጒዕዞታት፡ ነንጒዕዞ ብዋጋኡ፡ ተቐበልዎም።
17
ሰሰረገላ ብሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር፡ ፈፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን ዐዲጎም፡ ካብ ግብጺ ኣምጽኡ፡ ከምኡ ድማ ብኢዶም ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገሰታት ሶርያን የውጽኡሎም ነበሩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36