bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Chronicles 3
2 Chronicles 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 4 →
1
ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ከረን ሞሪያ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት እተራእየሉ፡ ዳዊት ከኣ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሕ ጀመረ።
2
ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ግዝኣቱ፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብኻልአይቲ መዓልቲ ኺሰርሕ ጀመረ።
3
ሰሎሞን ንምስራሕ እታ ቤት ኣምላኽ ዝሰረቶ መሰረት ከኣ እዚ እዩ፡ ምንዋሑ በቲ ናይ ቀደም መለክዒ ስሳ እመት፡ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት።
4
እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበረ ገበላ ኸኣ፡ ምንዋሑ ከም መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቊመቱ ድማ ሚእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቊመቱ ድማ ማእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ።
5
ነታ ዓባይ ቤት ድማ ብሉሕ ጽሕዲ ኸደና፡ንእኡውን ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስየታትን ሰንሰለታትን ገበረ።
6
ነታ ቤት ኪስልማ ድማ ክቡር ኣእማን ገበረላ። እቲ ወርቂ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም እዩ ዝነበረ።
7
ነታ ቤትን ነቲ ኣግማልን ንልዳውትን ንመንደቓታን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፡ ኣብቲ መንደቓት ድማ ኪሩቤል ቀረጸሉ።
8
ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ገበረ፡ ምንዋሓ፡ ከም ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ምግፋሓ ድማ ዕስራ እመት ነበረ፡ ብሽዱሽተ ሚእቲ ታለንት ዚአክል ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጣ።
9
ሚዛን ሽንካራትውን ሓምሳ ሲቃል ወርቂ ነበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን።
10
ኣብታ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ክልተ ናይ ወቐርቲ ስራሕ ብዝዀኑ ኪሩቤል ገበረ፡ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም።
11
ምንዋሕ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ከኣ ዕስራ እመት ነበረ። እታ ሓንቲ ኽንፊ ናይቲ ሓደ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊውን ሓሙሽተ እመት ነበረት።
12
ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት እሞ፡ ንኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ተርክብ ነበረት።
13
ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኣቶም ዕስራ እመት ተዘርጊሔን ነበራ። በእጋሮም ከኣ ደው ኢሎም፡ ገጻቶም ናብ ቤት ኣቢሉ ነበረ።
14
ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፡ ኪሩቤል ከኣ ገበረሉ።
15
ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ድማ፡ ሰሰላሳን ሓሙሽተን እመት ዝቚመቱ፡ ክልተ ዓንዲ ገበረ፡ እቲ ኣብ ረርእሶም ዝነበረ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ።
16
ኣብታ ቤት ራእይ ድማ ሰንሰለታት ገይሩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ገበረን። ሚእቲ ሮማን ገይሩ ኸኣ ኣብተን ሰንሰለታት ኣእተወን።
17
ነቶም ኣዕኑድ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መቕደስ፡ ሓደ ብየማን ሓደ ኸኣ ብጸጋም ኣቘምዎ፡ ስም እቲ የማናይ ያቂን፡ ስም እቲ ጸጋማይውን ቦዓዝ ኢሉ ኣውጽኣሎም።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36