bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Chronicles 20
2 Chronicles 20
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 19
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 21 →
1
ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ እዚ ደቂ ሞኣብን ደቂ ዓሞንን፡ ምሳታቶም ድማ ካብቶም ዓሞናውያንን ንዮሳፋጥ ኪወግእዎ መጹ።
2
ዮሳፋጥ ከምዚ ኢሎም ዚነግርዎ ሰብ ከኣ መጹ፡ ካብ ማዕዶ ባሕሪ ኻብ ሶርያ ብዙሕ ሰራዊት ይመጸካ ኣሎ፡ እነዉ ድማ፡ ኣብ ሓጸጾን ታማር ኣለዉ፡ ንሳዔን ገዲ እያ።
3
ሽዑ ዮሳፋጥ ፈርሄ እሞ እሞ ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ገጹ መለሰ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳውን ጾም አወጀ።
4
ይሁዳ ኸኣ ረዲኤት ካብ እግዚኣብሄር ኪደሊ ተኣከበ፡ እወ፡ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ መጹ።
5
ዮሳፋጥ ድማ ኣብታ ናይ ይሁዳን ናይ የሩሳሌምን ማሕበር፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው በለ፡
6
በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይ እቲ ንዂለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን።
7
ዎ ኣምላኽና፡ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ፡ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዘባረርካዮም፡ ንእኣ ኸኣ ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሀብካዮም ንስኻዶ ኣይኰንካ
8
ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፡ ኣብኣውን ንስምካ መቕደስ ሰርሑ። ከምዚ ኸኣ በሉ፡
9
ኣብ ልዕሌና ኽፉእ እንተ መጸ፡ ሴፍ፡ፍርዲ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣን ኣብ ቅድሜኻን ደው ክንብል ኢና፡ ስምክስ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና። ንስኻ ኸኣ ሰሚዕካ ኸተድሕን ኢኻ።
10
ሕጂ ኸኣ፡ እንሆ፡ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ከረን ሰዒርን፡ ንእስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብኣታቶም ኪኣትዉ ዘይፈቐድካሎም፡ ንሳቶም ግና ካብኦም ዘይሮም ዘየጥፍእዎም፡
11
እንሆ፡ ንሳቶም ካብዛ ዘረስቴኻና ርስትኻ ኼውጽኡና ብምምጻኦም ከመይ ዝበለ ውሬታ ይመልሱልና ኣለዉ።
12
ዎ ኣምላኽና፡ ኣይትፈርዶምን ዲኻ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን፡ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ።
13
ብዘለዉ ይሁዳ ኸኣ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ።
14
ሽዑ ኣብ ማእከል እታ ማሕበር ናብ ልዕሊ ያሓዚኤል ወዲ ዘካርያስ፡ ወዲ በናያ፡ ወዲ የዒኤል፡ ወዲ ማታንያ፡ እቲ ሌዋዊ ኻብ ደቂ ኣሳፍ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር መጸ።
15
ንሱ ድማ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኲላ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ ንጉስ ዮሳፋጥውን፡ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም ኣሎ፡ እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይፍርሁን ኣይትሸበሩን።
16
ጽባሕ ውረድዎም፡ እንሆ፡ በቲ ዓቐበት ጺጽ ይድይቡ ኣለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ በረኻ የሩኤል፡ ኣብ ወሰን እቲ ለሰ ድማ ክትረኽብዎም ኢኹም።
17
ኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም፡ ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርኣዩ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ዉጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ።
18
ሽዑ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም በለ፡ ብዘለዉ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩን ከኣ ንእግዚኣብሄር ኪሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብገጾም ተደፍኡ።
19
እቶም ሌዋውያን ካብ ደቂ ቀሃታውያንን ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኼመስግንዎ ተንስኡ።
20
ንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ናብቲ በረኻ ተቆዓ ወጹ። ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ዮሳፋጥ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ስምዑኒ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ኪቐንዓኩም እዩ።
21
ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዚዝምሩንቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቀቅድሚ ሰራዊት ኪወጹ ኸለዉ፡ ዜመስግንዎን ሰባት ኣቘመ፡ ንሳቶም ከኣ ከምዚ ኺብሉ እዮም፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
22
ኪዝምሩን ኪውድሱን ምስ ጀመሩ ኸኣ ነቶም ናይ ይሁዳ ኢሎም ዝመጹ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ነቶም ናይ ከረን ሰዒርን እግዚኣብሄር ድቡቓት ኣምጽኣሎም እሞ፡ ተሳዕሩ።
23
እቶም ደቂ ዓሞንን ሞኣብንሲ ነቶም ኣብ ከረን ሰዒር ዚነብሩ ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን ተንስኡ፡ ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ምስ ወድእዎም ድማ፡ ንሓድሕዶም ኪጣፋፍኡ ተሓጋገዙ።
24
ይሁዳ ድማ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዔኛ ምስ መጹ፡ ገጾም ናብቲ ጭፍራ ኣበሉ፡ እንሆ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይመለቘ ናብ ምድሪ ዝወደቑ ሬሳታት ኰኑ።
25
ዮሳፋጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ኪገፉ ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፡ ገንዘብን ክቡር ኣቓሑን፡ ረኸቡ፡ ምጽዋሩ ኽሳዕ ዚስእኑ ንርእሶም ሐፈሱ፡ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኺገፍዎ ወዐሉ።
26
በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በራካ ተኣከቡ፡ ኣብኣ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ፡ ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በራካ ኢሎም ይሰምይዋ ኣለዉ።
27
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብቶም ጸላእቶም ኣሐጒስዎም ነበረ እሞ፡ ናብ የሩሳሌም ብሓጐስ ኪምለሱስ፡ ኲሎም ሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ዮሳፋጥ ቀቅድሚኦም እናኸደ፡ ተመልሱ።
28
ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ።
29
ኲሎም መንግስትታት ሃገራት ድማ ነቶም ጸላእቲ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ከም ዝወግኦም ምስ ሰምዑ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ኰነ።
30
መንግስቲ ዮሳፋጥ ከኣ ሀድኤት፡ ኣምላኹ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዕረፍቲ ሀቦ።
31
ዮሳፋጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ።
32
ብመገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን።
33
ግናኸ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፡ እቶም ህዝቢውን ገና ልቦም ናብ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየቕንዑን ነበሩ።
34
እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ግብሪ፡ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ኣብ ዩ ወዲ ሓናኒ ተጸሒፉ ኣሎ።
35
ድሕርዚ ግና ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ረሲእነት ዝግብሩ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ።
36
ንተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሑ ምስኡ ሐበረ። ኣብ ዔጽዮን ጋበር ከኣ መራኽብ ሰርሑ።
37
ሽዑ ኤሊዔዘር፡ ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዮሳፋጥ፡ ምስ ኣሓዝያ ሰለ ዝሐበርካ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ስራሕካ ኼፍርሶ እዩ፡ ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከኣ ተሰብራ እሞ፡ ንተርሲስ ኪኸዳ ኣይከኣላን።
← Chapter 19
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 21 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36