bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Daniel 1
Daniel 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 2 →
1
ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ።
2
እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።
3
እቲ ንጉስ ከዓ ንኣስፋኔዝ ሓለቓ ስሉባት፥ ካብ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ዓሌት ንጉስን፥ ካብ ወለዶ መሳፍንትን መናእሰይ ዝኾኑ ሓርዩ ኸምፅአሉ ኣዘዞ።
4
ንሳቶምውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምግልጋል ዝኽእሉ፥ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ኣወዳት እዮም። ኣብ ሰብነቶም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ምልኩዓት፥ ብዅሉ ጥበብ መስተውዓልቲ፥ ዝኾነ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ኽእለት ዘለዎም፥ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎም ክኾኑ ኸም ዘለዎም፥ ናይ ባቢሎን መፃሕፍትን ቋንቋን ከዓ ኽምህርዎም ከም ዘለዎም ኣዘዘ።
5
እቲ ንጉስ ድማ፥ ካብቲ ዝበልዖ ምግብን፥ ካብቲ ንሱ ዝሰትዮ ወይንን፥ መዓልቲ መዓልቲ ድርጎ ሰርዐሎም። ሰለስተ ዓመት ምስ ሰልጠኑ ኸዓ፥ ብድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክቖሙ ኣዘዘ።
6
ካብ ማእኸል እዚኣቶም ድማ ኻብ ደቂ ይሁዳ፥ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያን ነበሩ።
7
እቲ ሓለቓ ስሉባት ከዓ ንዳንኤል ብልጣሶር፥ ንኣናንያ ሲድራቅ፥ ንሚሳኤል ሚሳቅ፥ ንኣዛርያ ድማ ኣብደናጎ፥ ኢሉ ስም ኣውፅአሎም።
8
ዳንኤል ግና፥ በቲ ምግቢ ንጉስን፥ በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፥ ብልቡ ሓሰበ፤ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።
9
እግዚኣብሄር ከዓ ንዳንኤል፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስን ምሕረትን ሃቦ።
10
ግና እቲ ሓለቓ ስሉባት ንዳንኤል “መብልዕኹምን መስተኹምን ንዝኣዘዘልኩም ንጐይታይ ንጉስ እፈርሕ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ካብቶም ብዕድመ መሓዙትኩም ዝኾኑ መናእሰይ፥ ገፅኩም ዓቢሩ እንተ ተረኽበ፥ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕፅዕዋ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ።
11
ሽዑ ዳንኤል ነቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን፥ መጋቢ ገይሩ ዝሸሞ ሜልዳር፥
12
“እንበልዖ ጥረምረን እንሰትዮ ማይን ይወሃበና፤ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ንባሮትካ ክትፍትነና እልምነካ ኣለኹ።
13
ደሓር ገፅናን ገፅ እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑን ረአየና፤ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዝደለኻዮ ግበር” በሎ።
14
ንሱውን ነዝ ሓሳብ እዙይ ተቐቢሉ፥ ዓሰርተ መዓልቲ ተዓዘቦም።
15
ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፥ ካብ ኵሎም እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑ መናእሰይ፥ ገፆም በሪሁን ሰብነቶም ፀቢቑን ተርኣየ።
16
ሜልዳርውን ነቲ ዝበልዕዎ ምግብን ዝሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፥ ጥረምረ ሃቦም።
17
እግዚኣብሄር ከዓ ነዞም ኣርባዕተ መናእሰይ እዚኣቶም፥ ኵሉ ፍልጠትን ምስትውዓል መፃሕፍትን ጥበብን ሃቦም። ዳንኤል ድማ ብዅሉ ራእያትን ሕልምታትን መስተውዓሊ ነበረ።
18
እታ ንጉስ ናብኡ ኽኣትዉላ ኢሉ ዝወሰና መዓልቲ ምስ በፅሐት፥ እቲ ሓለቓ ስሉባት ነቶም መናእሰይ ናብ ቅድሚ ናቡከደነፆር ኣእተዎም።
19
እቲ ንጉስ ምስ ኣዘራረቦም ድማ ኻብ ኵሎም ከም ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን ዝበለ ኣይተረኽበን። ስለዙይ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ።
20
እቲ ንጉስ ብዝጠየቖም፥ ብዝኾነ ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ጉዳይ፥ ካብቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ተርጐምቲ ሕልምን ኣስማተኛታትን፥ ዓሰርተ ኢድ በሊፆም ረኸቦም።
21
ዳንኤል ድማ ኽሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብኡ ፀንሐ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12