bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Daniel 4
Daniel 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 5 →
1
ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦ ሰላም ይብዝሐልኩም።
2
እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ዝገበረለይ፥ ተኣምራትን ዘደንቕ ስራሕን ክነግር ፅቡቕ ኮይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።
3
ተኣምራቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ፤ ድንቅታቱ ኸመይ ብርቱዕ እዩ! መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እዩ፤ ግዝኣቱውን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
4
“ኣነ ናቡከደነፆር ኣብ ቤተይ ዓሪፈ፥ ኣብ ኣዳራሸይውን ደስ ኢሉኒ ነበርኩ።
5
ግና ሓደ ዘደንግፅ ሕልሚ ረአኹ፤ ኣብ መደቀስየይ ደቂሰ እንተለኹ፥ ሓሳባትን ራእያትን ንኣእምሮይ ኣጨነቐኒ።
6
ስለዙይ ኵላቶም ጠቢባን ባቢሎን፥ ናባይ መፂኦም ትርጉም እቲ ሕልሚ ኸፍልጡኒ ኣዘዝኩ።
7
ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን።
8
ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ፥ ብልጣሶር ተብሂሉ ዝተሰምየ፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ናባይ መፀ። ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዙይ ኢለ ተዛረብኩ፦
9
ኣታ ሊቀ ጠቢባን ብልጣሶር፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘለካን፥ ዘይትፈልጦ ምስጢር ከዓ ኸም ዘየለን እፈልጥ እየ እሞ፥ እቲ ዝረአኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጕሙን ንገረኒ።
10
“እቲ ኣብ ምድቃሰይ እንተለኹ ዝረአኽዎ ራእይ ከምዙይ እዩ፦ እንሆ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኦም ረአኹ፤ ቁመቱ ኸዓ የመና ነዊሕ ነበረ።
11
እቲ ኦም ዓበየ፤ በርትዐውን። ቁመቱ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ መልክዑውን ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይረአ ነበረ።
12
ቈፅሉ ፅቡቕ ነበረ፤ ፍረኡ ኸዓ ንዅሉ ኽምግብ ዝኽእል ብዙሕ ነበረ። እንስሳ ዘገዳም ኣብ ትሕቲኡ የፅልሉ ነበሩ፤ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብ ጨናፍሩ ጐጆአን ሰሪሐን ነበራ። ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ድማ ኻብኡ ይምገብ ነበረ።
13
“ኣብ መደቀስየይ ብባዕለይ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ወረደ።
14
ንሱ ኸዓ ዓው ኢሉ ነዝ ኦም ቍረፅዎ፤ ጨናፍሩ ጠጥፉ፤ ቈፅሉ ኣርግፉ፤ ፍረኡ በትኑ፤ እቶም ኣብ እግሩ ዘለዉ እንስሳን፥ እቶም ኣብ ጨናፍሩ ዘለዉ ኣዕዋፍውን ይህደሙ።
15
ግና ነቲ ጕማድ ምስ ሰራውሩ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብ ማእኸል ልምሉም ሳዕሪ በረኻ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ‘ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ብፅሒቱ ኣብ ውሽጢ ሳዕሪ ምድሪ ምስ ኣራዊት ይኹን።
16
ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፤ ልቢ እንስሳ ኸዓ ይወሃቦ፤ ሸውዓተ ዓመት ድማ ይሕለፎ።
17
እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’
18
“ኣነ ንጉስ ናቡከደነፆር እቲ ዝረአኽዎ ሕልሚ እዙይ እዩ። ኵላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን። ብልጣሶር፥ ንስኻ ግና፥ መንፈስ ናይቶም ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፥ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፥ ትርጕሙ ንገረኒ።”
19
ሽዑ እቲ ብልጣሶር ዝስሙ ዳንኤል፥ ሓሳባቱ ስለ ዘጨነቖ፥ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ሓሰበ፤ ልቡውን ተሃወኸ። እቲ ንጉስ ድማ፥ “ብልጣሶር፥ እቲ ሕልሚ ኾነ ትርጕሙ ኣየጨንቕካ” በሎ። ብልጣሶር ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፥ እቲ ሕልሚ ንፀላእትኻ፥ ትርጕሙ ኸዓ ንተፃረርትኻ ይኹን።
20
እቲ የመና ዓቢይን ጠንኪሩን ዝረአኻዮ ኦም፥ ቁመቱውን ክሳዕ ሰማይ በፂሑ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ እውን ዝተርኣየ፥
21
ቈፅሉ ዝፀበቐ፤ ፍረኡ ዝበዝሐ፥ ንዅሉ ዝኸውን፥ ምግቢ ዝነበሮ፥ ንኣራዊት በረኻ መፅለሊ ዝኾነን ኣብ ልዕሊ ጨናፍሩ ነዕዋፍ ሰማይ መስርሒ ጐጆ ዝነበሮን ኦም፥
22
“ኦ ንጉስ፥ ዝዓበኻን ዝበርታዕኻን ንስኻ ኢኻ፤ ዕቤትካ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ሰፍሐ።
23
ኦ ንጉስ፥ ንስኻ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኻ። ንሱ ኸዓ ‘ነታ ኦም ቍረፅዋን ኣብርስዋን፥ ግና ነቲ ጕንዲ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ በረኻ፥ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፤ ሸውዓተ ዓመት ክሳዕ ዝሓልፎ፥ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ምስ እንስሳ በረኻ ኸዓ ኣብ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን’ እንትብል ዝረአኻዮ ራእይ፥
24
“ኦ ንጉስ፥ ትርጕሙ እዙይ እዩ፤ እዙይ ከዓ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዝወርድ፥ ትእዛዝ ልዑል እግዚኣብሄር እዩ።
25
እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ፥ ክሳዕ እትፈልጥ፥ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ተፈሊኻ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም እንስሳ ኸዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ኽትጥልቂ ኢኻ።
26
እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ምስ ሱሩ ኽተርፍ ምእዛዙ፥ ስልጣን ካብ ሰማይ ምዃኑ ምስ ተኣመንካ፥ ሽዑ መንግስትኻ ኸም እትምለሰልካ የመልክት።
27
ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።
28
እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ናቡከደነፆር በፅሐ።
29
ድሕሪ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ባቢሎን ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቲ ይመላለስ ነበረ።
30
“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።
31
እዝ ቓላት እዙይ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ፦ “ኦ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ንኣኻ ተነጊሩካ እዩ፤ መንግስቲ ኻባኻ ተወሲዳ እያ።
32
እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ ኽሳዕ እትፈልጥ፥ ንሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም ብዕራይ ከዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ክትግደድ ኢኻ።”
33
እቲ ዅሉ ዝተነግረ፥ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ተፈፀመ፤ ፀጕሩ ኸም ናይ ንስሪ፥ ኣፅፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኮይኑ ኽሳዕ ዝነውሕ፥ ካብ ሰብ ተፈልዩ ተሰጐጐ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።
34
እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።
35
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
36
“በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለሰለይ፤ መንግስተይውን ምስ ኵሉ ኽብሩን ግርማኡን ዕቤቱን ተመለሰለይ። መማኽርተይን መኳንንተይን ደለዩኒ። ኣነ ኸዓ ኣብ መንግስተይ ፀናዕኹ፤ ካብቲ ናይ ቅድምውን ዝበለፀ ኽብሪ ተወሰኸለይ።
37
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12