bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Daniel 5
Daniel 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 6 →
1
ንጉስ ብልጣሶር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።
2
ንጉስ ብልጣሶር ወይኒ ምስ ጠዓመ፥ ንሱን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ብእኡ ምእንቲ ኽሰትዩ፥ ነቲ ኣቦኡ ናቡከደነፆር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ፥ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ከምፅእዎ ኣዘዘ።
3
ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ፥ ኣቑሑ ወርቂ ኣምፅኡ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ከዓ፥ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ።
4
ወይኒ እናሰተዩ፥ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብዕንፀይትን ብእምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቶም የመስግኑ ነበሩ።
5
በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፥ ኣብ መንፅር እቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ኣፃብዕቲ ኢድ ሰብ ወፂአን ፀሓፋ። እቲ ንጉስ ነታ እትፅሕፍ ኢድ ረአያ።
6
ሽዑ እቲ ንጉስ ገፁ ተለወጠ፤ ሓሳባቱ ኸዓ ኣጨነቖ፤ ጅማውቲ ሕቘኡ ድማ ላሕልሐ፤ ኣብራኹውን ኣንቀጥቀጠ።
7
ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።
8
ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፤ ግና ነታ ፅሕፈት ከንብብዋን ትርጓሜኣ ኸዓ ነቲ ንጉስ ክነግርዎን ኣይከኣሉን።
9
ሽዑ ንጉስ ብልጣሶር የመና ደንገፀ፤ ገፁ ተለወጠ፤ መኳንንቱውን ተጨነቑ።
10
እታ ንግስቲ ኸዓ ድምፂ ንጉስን መኳንንቱን ሰሚዓ፥ ናብቲ ንሳቶም ዝነበርዎ ኣዳራሽ ኣተወት። ንሳ ድማ፦ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካ፤ ገፅካውን ኣይለወጥ።
11
መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ንሱ ብዘመን ኣቦኻ ምስትውዓልን ፍልጠትን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጥበብን ተረኸቦ። ኦ ንጉስ፥ ኣቦኻ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ዓዘምትን ከለዳውያን ሸሞ።”
12
ኣብቲ እቲ ንጉስ፥ “ብልጣሶር” ኢሉ ዝሰመዮ ዳንኤል፥ ብሉፅ መንፈስን ፍልጠትን፥ ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላፅ ምስጢርን ምቕናዕ ዝተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ሕዚ እውን ዳንኤል ይፀዋዕ፤ ንሱ ነቲ ትርጒሙ ኸፍልጠካ እዩ በለቶ።
13
ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣቕረብዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ንዳንኤል “ካብቶም ኣቦይ ንጉስ፥ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም፥ ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝኾንካ፥ ዳንኤል ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
14
“ኣነ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘለካ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልን ብሉፅ ጥበብንውን ከም ዘለካ፥ ሰሚዐ ኣለኹ።
15
ሕዚ ኸዓ ነዞም ጠቢባንን ፈላጣትን፥ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ኸንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኸፍልጡኒ፥ ናባይ ኣምፂኦምዎም ነይሮም፤ ግና ትርጕም እቲ ነገር ከፍልጡኒ ኣይከኣሉን።
16
ንስኻ ግና ትርጕም ምትርጓም፥ ዝተጠላለፈ ነገር ከዓ፥ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ። እምበኣር ነዛ ፅሕፈት ክተንብባን፥ ትርጕማ ድማ ኽተፍልጠንን እንተ ኽኢልካስ፥ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ኸዓ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ” በሎ።
17
ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ውህብቶኻ ንኣኻ ይኹን፤ ሽልማትካውን ንኻልእ ሃቦ። ኦ ንጉስ ነታ ፅሕፈት ግና ንኣኻ ንንጉስ ከንብበልካ፥ ትርጓሜኣውን ከፍልጠካ እየ።”
18
“ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ።
19
ስለዙይ ብዕቤቱ፥ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን፥ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሑን ነበሩ። ክቐትሎ ንዝደለየ ይቐትሎ፤ ብህይወት ክነብር ንዝደለዮ ይሓድጎ፤ ልዕል ከብሎ ንዝደለየ ልዕል የብሎ፤ ከዋርዶ ንዝደለየ የዋርዶ ነበረ።
20
ግና ልቡ ምስ ተዓበየ፥ ብትዕቢት መንፈሱ ምስ ኣትረረ፥ ካብ ዙፋን መንግስቱ ተዋረደ፤ ክብሩውን ተፈለዮ።
21
ጐይታ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸም ዝሸመሉ ኽሳዕ ዘስተውዕል፥ ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐጐ፤ ልቡ ኸዓ ኸም ናይ እንስሳ ኾነ፤ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።”
22
“ንስኻ ብልጣሶር ወዱ ኸዓ፥ እዝ ዅሉ እናፈለጥካ፥ ልብኻ ኣየትሓትካን።
23
እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።
24
ስለዙይ ከዓ እታ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዝፀሓፈት ኢድ ካብኡ ዝተልኣኸት እያ።
25
“እዛ ፅሕፍቲ ኸዓ ‘ማኔ፥ ማኔ፥ ቴቄል ፋሬስ’ እትብል ፅሕፈት እያ።
26
ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኸምዙይ እዩ፦ ‘ማኔ’ እግዚኣብሄር ንመዓልቲታት መንግስትኻ ፀብፂብወን እዩ፤ ንመንግስትኻ ኸዓ ወዲእዎ እዩ።
27
‘ቴቄል’ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ ማለት እዩ።
28
‘ፋሬስ’ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተውሂባ እያ ማለት እዩ።”
29
ሽዑ ብልጣሶር፥ ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ክኸድንዎ፥ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ኽኣስሩሉ ኣዘዘ። ኣብታ መንግስቲ፥ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።
30
በታ ለይቲ እቲኣ፥ ብልጣሶር ንጉስ ባቢሎን ተቐትለ።
31
ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ።
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 6 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12