bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Daniel 2
Daniel 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 3 →
1
ናቡከደነፆር ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ሕልሚ ሓለመ፤ መንፈሱ ድማ ተሃወኸ፤ ድቃስውን ሰኣነ።
2
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ።
3
ንሱ ድማ “ሕልሚ ሓሊመስ ሕልሙ እንታይ ከም ዝኾነ ንኽፈልጥ መንፈሰይ ተሃዊኹ ኣሎ” በሎም።
4
ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብቛንቋ ኣራማይስጢ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ንኣና ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፤ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።
5
እቲ ንጉስ ከዓ “ነገሩ ኻባይ ርሒቑ እዩ፤ እቲ ሕልሚ ረሲዐዮ እየ፤ ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ዘይነጊርኩምኒ፥ ክትስየፉ ኢኹም፤ ኣባይትኹም ድማ መደርበዪ ጓሓፍ ክኾና እየን” ኢሉ መለሰሎም።
6
“ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ነጊርኩምኒ ግና፥ ውህብቶን ሽልማትን ዓብዪ ኽብርን ካባይ ክትቕበሉ ኢኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ትርጕሙውን ኣፍልጡኒ” በሎም።
7
ንሳቶም ድማ መሊሶም “ንጉስ፥ ንኣና ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፤ ንሕናውን ትርጕሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።
8
እቲ ንጉስ ከዓ “እቲ ነገር ካባይ ከም ዝረሓቐ ስለ ዝፈለጥኩም፥ ጊዜ ንምንዋሕ ትፍትኑ ኸም ዘለኹም፥ ብርግፅ ፈሊጠ ኣለኹ።
9
ነቲ ሕልሚ እንተ ዘይነጊርኩምኒ ግና፥ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽተሕልፉ፥ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሰትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሰማሚዕኹም ኣለኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ኣነ ኸዓ ትርጕሙ ኸም እትነግሩኒ ኽፈልጥ እየ” ኢሉ መለሰሎም።
10
እቶም ከለውዳውያን ድማ ነቲ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ነቲ ንጉስ ዝጠየቖ ጥያቐ፥ ክምልስ ዝኽእል ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይርከብን። ንጉስ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እንተ ኾነ እኳ ንዝኾነ ጠንቋላይ፥ ኣስማተኛ ወይ ኮኸብ ቈፃሪ ጠይቑ ኣይፈልጥን።
11
እቲ ንጉስ ዝጥይቖ ዘሎ ነገር የመና ዘሸግር እዩ። ኣብ ማእኸል ሰብ፥ ካብ ዘይነብሩ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኮይኑ ንንጉስ ክገልፀሉ ዝኽእል የለን” በልዎ።
12
እዙይውን ነቲ ንጉስ የመና ኣቘጥዖ፤ የመናውን ተናደደ፤ ኵሎም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ጠቢባን ድማ ኽቕተሉ ኣዘዘ።
13
ንጠቢባንውን ክቐትሉ ጀመሩ፤ ንዳንኤልን ነቶም ብፆቱን ከዓ ኽቐትሉዎም ይደልዩዎም ነበሩ።
14
ሽዑ ዳንኤል፥ ነቲ ንጠንቈልቲ ባቢሎን ክቐትሎም ዝተኣዘዘ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንጉስ፥ ንኣርዮክ ብጥበብን በኣእምሮን ተዛረቦ።
15
ዳንኤል ንኣርዮክ፥ ነቲ ናይ ንጉስ ሓለቓ ሰራዊት “እዝ ብርቱዕ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ንጉስ ስለ ምንታይ ወፀ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣርዮክ ድማ ንዳንኤል እቲ ዝኾነ ኣፍለጦ።
16
ሽዑ ዳንኤል ናብ ንጉስ ኣትዩ፥ ነቲ ሕልሙ ንኽትርጕመሉ ጊዜ ኽህቦ፥ ንንጉስ ለመኖ።
17
ድሕሪዙይ ዳንኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፥ ንመሓዙቱ ንኣናንያን ንሚሳኤልን ንኣዛርያስን፥ ነቲ ነገር ገለፀሎም።
18
ዳንኤልን ብፆቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይቕተሉ፥ ብዛዕባ እዙይ ኣምላኽ ሰማይ፥ ምሕረት ንኽገብረሎምን ምስጢሩውን ንኽገልፀሎምን ንኽፅልዩ ኣፍለጦም።
19
በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ፥ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገለፀሉ። ዳንኤል ከዓ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።
20
ከምዙይውን በለ፦ “ጥበብን ሓይልን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ።
21
ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም።
22
ንዝዓመቘን ንዝተሰወረን ምስጢር ይገልፅ፤ ነቲ ኣብ ፀልማት ዘሎ ይፈልጦ፤ ብርሃንውን ምስኡ ይነብር።
23
ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ፥ ነቲ ሕልሚ ንጉስ ኣፍሊጥካና ኢኻ እሞ፥ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሃብካኒ፥ ሕዚ እውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለፅካለይ፥ አመስግነካን እውድሰካን ኣለኹ።”
24
ስለዙይ ዳንኤል፥ ናብቲ እቲ ንጉስ፥ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ከጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፤ ኣትዩ ኸዓ “ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፤ ናብ ንጉስ ድማ ውሰደኒ፤ ኣነውን ትርጉም እቲ ሕልሚ ንንጉስ ክነግሮ እየ” ኢሉ ነገሮ።
25
ሽዑ ኣርዮክ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ “ኦ ንጉስ እንሆ፥ ካብቶም ምሩኻት ይሁዳ፥ ንኣኻ ንንጉስ ትርጉም ሕልምኻ ኽገልፅ ዝኽእል ሰብ ረኺበ ኣለኹ” በሎ።
26
እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብልጣሶር ዝተብሃለ ዳንኤል “ነቲ ዝረአኽዎ ሕልምን ትርጕሙን፥ ክትነግረኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ።
27
ዳንኤል ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ንጉስ፥ ነዝ እትጥይቖ ዘለኻ ምስጢር፥ ክነግረካ ዝኽእል ጠንቋሊ ወይ ኣስማተኛ ወይ መውደቕ ዛዕጐል ወይ ቈፃሪ ኮኸብ የለን።
28
ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦
29
“ኦ ንጉስ፥ ብዛዕባ ድሕሪዙይ ዝኸውን፥ ኣብ ምድቃስካ እንተለኻ ትሓስብ ነበርካ። እቲ ምስጢራት ዝገልፅ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነቲ ዝኸውን ነገር ኣፍለጠካ።
30
እዝ ምስጢር እዙይ ንኣይ ዝተገልፀለይ፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ ጥበብ ስለ ዘለኒ ኣይኮነን፤ ንስኻ ትርጕሙ ምእንቲ ኽትፈልጥ እሞ፥ እቲ ብልብኻ እተሰላስሎ ዝነበረ ነገር፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትርዳእ እዩ።
31
“ኦ ንጉስ፥ እንሆ፥ ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ረአኻ፤ እዝ ገዚፍን ዘንፀባርቕን ዓብዪ ምስሊ ድማ፥ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሙ ረአኻ፤ ትርኢቱውን ዘገርምን ዘፍርሕን ነበረ።
32
እዝ ምስሊ እዙይ፥ ርእሱ ፅሩይ ወርቂ፥ ደረቱን ቀላፅሙን ብሩር፥ ከብዱን ሕቘኡን ከዓ ነሃስ ነበረ።
33
መሓውሩ ሓፂን፥ ኣእጋሩ ኸዓ ገሊኡ ሓፂን፥ ገሊኡ ብመሬት ዝተሰርሐ ነበረ።
34
ክትጥምት እንተለኻ፥ እንሆ፥ ኢድ እንተይነኽኦ እምኒ ተፈንቂሉ ወረደ፤ ነቲ ሓፂንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር ድማ፥ እቲ ምስሊ ወቒዑ ሓምሸሾ።
35
ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።
36
“እቲ ሕልሚ እዙይ እዩ፤ ትርጕሙ ኸዓ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክንናገር ኢና።
37
ኦ ንጉስ፥ እቲ ኣምላኽ ሰማይ፥ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሃበካ፥ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ።
38
ደቂ ሰብን እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝነብሩሉ ዅሉ፥ ኣብ ኢድካ ሃበካ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ገዛኢ ገበረካ። እምበኣር እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።
39
ብድሕሬኻ ድማ ኻባኻ ዝንእስ፥ ካልእ መንግስቲ ኽትስእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዝገዝእ፥ ካልእ ሳልሳይ መንግስቲ ነሃስውን ክትስእ እዩ።
40
እቲ ራብዓይ መንግስቲ፥ ኵሉ ነገር ከም ዝቕጥቅጥን ከም ዝሰባብርን ሓፂን፥ ብርቱዕ ዝኾነ መንግስቲ ኽለዓል እዩ። ሓፂን ንዅሉ ሰባቢሩ ኸም ዘድቅቕ፥ ቅድሚኡ ንዝነበሩ ዅሎም ሰባቢሩ ኸድቅቖም እዩ።
41
ከምቲ ኣእጋሩን ኣፃብዕቱን፥ ፍርቁ ሓፂን ፍርቁ ሻኽላ ኾይኑ ዝረአኻዮ፥ ከምኡ ዝተኸፋፈለ መንግስቲ ክኸውን እዩ፤ ግና ኸምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ ክፋሉ ሓይሊ ሓፂን ክህልዎ እዩ።
42
ከምቲ ኣፃብዕቲ ኣእጋሩ ኽፋሉ ሓፂን፥ ክፋሉ ኸዓ ሻኽላ ዝነበረ፤ ከምኡውን እቲ መንግስቲ ኽፋሉ ወገን ብርቱዕ፥ ክፋሉ ድማ ድኹም ክኸውን እዩ።
43
ከምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ እቲ ህዝቢ ሕውስዋስ ክኸውን እዩ። ከምቲ ሓፂን ምስ ሻኽላ ዘይላገብ፥ ከምኡ ንስንሳቶም ኣይላገቡን እዮም።
44
ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።
45
ኢድ ሰብ እንተይነኽኦ፥ ካብ እምባ ተፈንቂሉ ዝወረደ እምኒ፥ ንሓፂንን ንነሃስን ንሻኽላን ንብሩርን ንወርቅን ከድቅቖ እንተሎ ዝረአኻዮ፥ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎ ንኣኻ ንንጉስ ኣርእዩካ ኣሎ። እቲ ሕልሚ ትክኽል፥ ትርጕሙ ኸዓ እሙን እዩ።”
46
ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ፤ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ከቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ።
47
እቲ ንጉስ ንዳንኤል “ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልፃ ኻብ ከኣልካስ፥ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን፥ ጐይታ ነገስታትን፥ ገላፂ ምስጢራትን እዩ” በሎ።
48
ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል፥ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ኣቐመጦ፤ ብዙሕ ዓበይቲ ውህብቶታትውን ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ድማ ገዛኢ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎንውን ሓለቓ ገበሮ።
49
ዳንኤል ስለ ዝለመኖ ኸዓ፥ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም፤ ዳንኤል ግና ኣብ በሪ ቤት ንጉስ ነበረ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12