bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Daniel 3
Daniel 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 4 →
1
ንጉስ ናቡከደነፆር ስሳ እመት ዝቑመቱ፥ ሽዱሽተ እመት ዝጐድኑ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣስርሐ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎንውን ኣቖሞ።
2
ንመኳንንትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን፥ ኣብ በብሃገሩ ዝተሾሙ ምስለኔታትን፥ ነቲ ንሱ ዘቖሞ ምስሊ ንምረቓ ምእንቲ ኽእከቡ ለኣኸሎም።
3
ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን ኣብ በብሃገሩ ዝተሸሙ ምስለኔታትን ነቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ምረቓ ተኣከቡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊውን ቆሙ።
4
እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት እትዛረቡን፥
5
ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ኵሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰማዕኹም፥ ሽዑ ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢልኩም ስገዱሉ።
6
ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ፥ ግና ሽዑ ንሽዑ ናብ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ” ኢሉ ኣወጀ።
7
ስለዙይ ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰምዑ፥ ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
8
በቲ ጊዜ እቱይ ገሊኣቶም ከለዳውያን፥ ናብ ንጉስ ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።
9
ንንጉስ ናቡከደነፆር ከዓ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።
10
ንስኻ ነፍሲ ወከፍ፥ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃ ደርፍን ዝሰምዕ ኵሉ ሰብ፥ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኽሰግደሉ ኣዘዝካ።
11
ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን፥ ኣብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ ኸዓ ኣዘዝካ።
12
እምበኣር፥ ኦ ንጉስ፥ እቶም ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከመሓድሩ ዝሸምካዮም፥ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝበሃሉ ኣይሁድ፥ ትእዛዝካ ኣይቕበሉን፤ ንኣማልኽትኻ ድማ ኣየምልኹን፤ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም” በልዎ።
13
ሽዑ ናቡከደነፆር ሓሪቑን ተቘጢዑን፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከምፅእዎም ኣዘዘ። ንሳቶም ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስ ቀረቡ።
14
ናቡከደነፆር ከዓ “ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፥ ነቲ ኣነ ዘቖምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩም ሓቂ ድዩ?
15
ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም።
16
ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከዓ ነቲ ንጉስ “ኦ ናቡከደነፆር፥ በዝ ነገር እዙይ መልሲ ኽንህበካ ኣድላዪ ኣይኮነን።
17
ኦ ንጉስ፥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸድሕነና ይኽእል እዩ፤ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ።
18
ንሱ ኸድሕነና እንተ ዘይደለየውን፥ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾምን፥ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ ድማ ኸም ዘይንሰግደሉን ፍለጥ” በልዎ።
19
ሽዑ ናቡከደነፆር ብሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን የመና ተቘጥዐ፤ ትርኢት ገፁውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ኢድ ኣበርቲዖም ከንድድዎ ኣዘዘ።
20
ካብ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ፀዊዑ ኸዓ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣሲሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርብይዎም ኣዘዘ።
21
ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ምስ ቀምሾምን ባርኖሶምን መጐናፀፍያኦምን ምስ ኵሉ ኽዳውንቶምን ተኣሰሩ፤ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸዓ ተደርበዩ።
22
እቲ ትእዛዝ ንጉስ ህፁፅ ስለ ዝነበረን፥ እቲ እቶን ድማ የመና ረሲኑ ስለ ዝነበረን፥ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝደርበይዎም ሰባት እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ቐተሎም።
23
ሰለስቲኦም ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ግና ብእሱሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል ሓዊ ወደቑ።
24
ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር ተደነቐ፤ ቀልጢፉውን ተስአ፤ ንኣማኸርቱ ድማ “እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርበናዮም ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኮኑን?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ንንጉስ “ኦ ንጉስ ሓቂ እዩ” ኢሎም መለሱሉ።
25
ንሱ ኸዓ “እንሆ፥ ኣነ እተፈትሑ ሰባት፥ ጕድኣት እንተይበፅሖም፥ ኣብ ማእኸል እቲ ሓዊ እናተመላለሱ እርኢ ኣለኹ፤ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣማልኽቲ ይመስል” በሎም።
26
ድሕሪዙይ ናቡከደነፆር ናብ ኣፍ እቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ “ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፥ ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንዑ ናብዙይ ውፁ” ኢሉ ፀውዖም። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ሓዊ ወፁ።
27
እቶም መኳንንቲ፥ ሹመኛታት፥ እቶም ገዛእቲ ሃገርን ኣማኸርቲ ቤተ መንግስትን ኣብ ዙርያኦም ተኣከቡ፤ ንሳቶም እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነቶም ሓይሊ ኸም ዘይነበሮ፥ ካብ ፀጕሪ ርእሶም ሓንቲኳ ኸም ዘይተቓፀለት ረአዩ፤ ትርኢት ክዳውንቶም ድማ ኣይተለወጠን፤ ጨና ሓዊውን ኣይሓለፎምን።
28
ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።”
29
“ሕዚ ኸዓ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለን እሞ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ክፉእ ቃል ዝናገር፥ ንሱ ኽቈራረፅ፥ ቤቱ ኸዓ መደርበዪ ጐሓፍ ክኸውን ኣዚዘ ኣለኹ” በለ።
30
ድሕሪዙይ እቲ ንጉስ፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን፥ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ልዕል ልዕል ኣበሎም።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12