bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Daniel 6
Daniel 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 7 →
1
ንዳርዮስ ኣብ ኵላ መንግስቱ፥ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኽሸይም ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮ።
2
እቲ ንጉስ ምእንቲ ኸይጕዳእ፥ ነቶም መሳፍንቲ ዝቈፃፀርዎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ ሸመ። ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ዳንኤል ነበረ።
3
ዳንኤል ግና፥ ፍሉይ ናይ ጥበብ መንፈስ ስለ ዝሓደሮ፥ ካብቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን በሊፁ ተረኽበ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ኵላ መንግስቱ ኽሸሞ ሓሰበ።
4
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።
5
ሽዑ እቶም ሰባት “ንዳንኤል ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ መኽሰሲ ኽንረኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።
6
ድሕሪዙይ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ናብቲ ንጉስ ከይዶም “ኦ ንጉስ ዳርዮስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።
7
ኵላትና ኣሕሉቕ መንግስትን ሹመኛታትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን፥ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኣተን ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝፀለየ፥ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዝድርበ ኽትእዝዝ፥ ብርቱዕ ኣዋጅውን ክትእውጅ ሓቢርና መኺርና ኣለና።
8
ኦ ንጉስ፥ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ክኸውን እሞ ኸይልወጥ፥ ስምካ ፅሒፍካ ነቲ ኣዋጅ ኣፅንዓዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።
9
ንጉስ ዳርዮስ ድማ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣዋጅ ኣፅንዖ።
10
ዳንኤል ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ብኣዋጅ ከም ዝወፀ ምስ ፈለጠ፥ ናብ ቤቱ ኸደ። እታ ኣብ ደብሪ ዝነበረት ቤቱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዝጥምታ መሳዅቲ ነበራኣ። እተን መሳዅቲ ብኽፉታተን ከዓ፥ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሻዕ ኣብ መዓልቲ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ፀለየን ኣመስገነን።
11
ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኺቦም ከይዶም፥ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኽፅልን ክምህለልን እንተሎ ረኸብዎ።
12
ሽዑ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀሪቦም ንዳንኤል ከሰስዎ፦ “ኦ ንጉስ፥ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኣተን፥ ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝለመነ፥ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ እዩ፥ ኢልካዶ ኣዋጅ ኣይኣወጅካን ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። እቲ ንጉስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ ከምቲ ኽልወጥ ዘይከኣል፥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኮይኑ ፀኒዑ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
13
ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ “እምበኣር እዝ ካብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል፥ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሻዕ፥ ልመናኡ ናብ ኣምላኹ ይፅሊ ኣሎ። ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ወይ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኣዋጅ ኣየኽብርን” በልዎ።
14
እቲ ንጉስ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ጐሃየ፤ ንዳንኤል ምእንቲ ኸናግፎ ኸዓ ምኽንያት ደለየ፤ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብውን ከድሕኖ ፀዓረ።
15
ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተመሊሶም “ኦ ንጉስ፥ እቲ ንጉስ ዘፅንዖ ኣዋጅን ትእዛዝን ከይልወጥ፥ ናይ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ኸም ዝኾነ ፍለጥ” ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።
16
ሽዑ እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ፤ ንዳንኤል ኣምፂኦም ከዓ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎ። እቲ ንጉስ ድማ ንዳንኤል “እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽ የናግፍካ” በሎ።
17
ሓደ እምኒ ኣምፂኦም ከዓ፥ ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዓፀውዎ። እቲ ንጉስ ድማ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዝተፈፀመ ኸይልወጥ፥ ብማሕተሙን ብማሕተም መኳንንቱን ሓተሞ።
18
እቲ ንጉስ ናብ ቤተ መንግስቱ ተመለሰ፤ ፆሙ ኸዓ ሓደረ፤ ዝብላዕውን ኣየምፅኡሉን። ድቃስ ድማ ኻብኡ ረሓቐ።
19
ንፅባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተስአ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ።
20
ናብቲ ጕድጓድ ምስ በፅሐ፥ ንዳንኤል እናሕቘንቈነ ብድምፂ ሓዘን ፀውዖ፤ “ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፥ እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽስ፥ ካብ ኣናብስ ከናግፈካዶ ኽኢሉ?” በሎ።
21
ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።
22
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።
23
ሽዑ እቲ ንጉስ እምብዛ ተሓጐሰ፤ ንዳንኤል ከዓ ኻብቲ ጕድጓድ ከውፅእዎ ኣዘዘ፤ ኣውፅእዎውን። ኣብ ኣምላኹ ተኣሚኑ ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይረኸቦን።
24
እቲ ንጉስ ከዓ፥ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ምስ ደቆምን ምስ ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርብይዎም ኣዘዘ። ገና ኣብ ፍርቂ ጕድጓድ እንተይበፅሑ ድማ፥ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፤ ኵሉ ኣዕፅምቶምውን ሰባበሩ።
25
ድሕሪዙይ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ንዝዛረቡን፥ ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦ “ሰላም ይብዝሐልኩም!
26
ንኣምላኽ ዳንኤል ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ፥ ፍርሕዎን ኣኽብርዎን ኢለ እእዝዝ ኣለኹ። ንሱ ንዘለኣለም ዝነብር ህያው ኣምላኽ እዩሞ፤ መንግስቱ ኣይትጠፍእን እያ፤ ግዝኣቱውን መወዳእታ የብሉን።
27
ንሱ የናግፍን የድሕንን፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከዓ፥ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር፤ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።”
28
እዝ ዳንኤል እዙይ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ በዓል ፋርስን የመና ኽቡር ነበረ።
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 7 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12