bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ezekiel 22
Ezekiel 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 21
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 23 →
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርድዶ ኢኻ? ነዛ ኸተማ ደምዶ ኽትፈርዳ ኢኻ? እምበኣርከስ ኵሉ ርኽሰታ ኣፍልጣ።
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎውን በል፤ ጊዜኺ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ኣብ ማእኸላ ደም እተፍስሲ፥ ንርእስኺ ኽተርክሲ ኸዓ ጣዖታት እትገብሪ ኸተማ፥
4
በቲ ዘፍሰስክዮ ደም በደልኪ፤ በቲ ዝገበርክዮ ጣዖታት ድማ ረኸስኪ፤ መዓልቲታትኪ ኣቕረብኪ፤ ዓመታትኪውን ኣሕፀርኪ፤ ስለዙይ ንኣህዛብ መፃረፊ፥ ንዅሉ ሃገራት ከዓ መላገፂ ገበርኩኺ።
5
ኣቲ ርኹስ ዝወረኺ ዕግርግር ዝመልአኪ፥ ዝቐረቡኽን ዝረሓቑኽን ከላግፁልኪ እዮም።
6
እንሆ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ።
7
ኣባኺ ነቦን ንኖን ነዓቑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ንመፃእተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ።
8
ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዓቕኪ፤ ንሰናብተይ ኣርከስኪ።
9
ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ።
10
ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ቐልዑ፤ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም ፅገኣ ኣዋረዱ።
11
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ርኽሰት ገበረ፤ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፤ ሓደ ኻሊእውን ኣባኺ ንሓፍቱ፥ ጓል ኣቦኡ ኣነወረ።
12
ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
13
“እንሆ እምበኣር በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕኽዮን፥ በቲ ኣብ ማእኸልኪ ዘፍሰስክዮ ደምን፥ ኢደይ ኣጣቓዕኹ።
14
በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ፥ ልብኽዶ ኽቐውም እዩ? ወይ ኣእዳውኪ ኽፀንዓ ድየን? ኣነ እግዚኣብሄር እየ፥ ዝተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ።
15
ኣነ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብለኪ፥ ናብ ሃገራት ከዓ ኽብትነኪ፥ ንርኽሰትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ።
16
ብሰንኪ ርእስኺ ኣብ ቕድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጢ ኢኺ።”
17
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
18
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ቤት እስራኤል ሓተላ ኾኑኒ፤ ኣብ ማእኸል እቶን ከዓ፥ ኵላቶም ነሃስን ቈርቆሮን ሓፂንን ዓረርን እዮም፤ ሓተላ ብሩርውን ኮኑ።
19
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵልኻትኩም ሓተላ ኢኹም እሞ፥ ስለዙይ እንሆ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ክእክበኩም እየ።
20
ከምቲ ኽመክኽ ኢሎም፥ ሓዊ ምእንቲ ኽነፍሑሉ ንብሩርን ነሃስን ሓፂንን ዓረርን ቈርቆሮን፥ ኣብ ማእኸል እቶን ዝእክብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ብቝጥዓይን ብመዓተይን ክእክበኩምን፥ ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ።
21
ክእክበኩም፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኽነፍሐልኩም እየ፤ ኣብ ማእኸላውን ክትመኩ ኢኹም።
22
ከምቲ ብሩር ኣብ ማእኸል እቶን ዝመክኽ፥ ከምኡ ኣብ ማእኸላ ኽትመኩ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ቍጥዓይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
23
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
24
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣ፥ ንስኺ ዘይፀረኺ፥ ብመዓልቲ ቝጥዓውን ዝናም ዘይዘነመኪ ምድሪ ኢኺ ኢልካ ንገራ።
25
ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነቢያታ ተማሓሒሎም ኣለዉ፤ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዝጓዝም ኣንበሳ፥ ነፍሳት ወሓጡ፤ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፤ ኣብ ማእኸላውን መበለታት ኣብዝሑ።
26
ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፤ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፤ ነቲ ቕዱስ፥ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈለጡን፤ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ኣነውን ኣብ ማእኸሎም ረኸስኩ።
27
ኣሕሉቓ ኣብ ውሽጣ ብዘይ ቅንዕና ኽረብሑስ፥ ደም እናፍሰሱ ንነፍሳት እናጥፍኡ፥ ከምቶም ንግዳይ ዝሰላልዑ ተዃሉ እዮም።
28
ነቢያታ ከንቱነት እናረአዩ፥ ሓሰት እናጠንቈሉሎም እግዚኣብሄር ዘይተዛረበስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ እናበሉ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ለቕለቑሎም።
29
እቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ዓመፀ፤ ከተረ፤ ንሽጉርን ንድኻን ገፍዖ፤ ንመፃእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቖ።
30
ኣነ ኸየጥፍኣስ፥ ነቲ ቕፅሪ ዝፅግን፥ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝቐውም፥ ኣብ ማእኸሎም ሓደ ሰብኣይ ደለኹ፤ ግናኸ፥ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
31
ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 21
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 23 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48