bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ezekiel 46
Ezekiel 46
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 45
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 47 →
1
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ፥ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ክትዕፆ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ኽትክፈት፥ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ።
2
እቲ ሓለቓ ከዓ፥ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወፃኢ ኽኣቱ፥ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ክቐውም እዩ፤ ካህናት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን ከቕርቡ እዮም፤ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኽሰግድ፥ ድሕሪዙይውን ክወፅእ እዩ፤ እታ ደገ ግና ኽሳዕ ምሸት ኣይትዕፆን እያ።
3
ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ኾይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
4
እቲ ሓለቓ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሄር ዘቕርበሉ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን ጕድለት ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ይኹን።
5
መስዋእቲ ብልዒ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ ሓንቲ ኢፍ፥ መስዋእቲ ብልዒ ነቶም ጡበታት ድማ፥ ከም ርካቡ ክኸውን፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍውን ሓደ ኢን ዘይቲ ኽህልዎ እዩ።
6
ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸዓ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕን፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን፥ ሓደ ማጕላን ከቕርብ እዩ።
7
ንሱ ኸዓ መስዋእቲ ብልዒ፥ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበት ከም ርካቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍ ኸዓ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።
8
እቲ ሓለቓ ኽኣቱ እንተሎ፥ ብገበላ እታ ደገ ኽኣቱ፥ ብኣኣ ኣቢሉውን ክውፅእ እዩ።
9
“ህዝቢ እታ ምድሪ፥ በተን ዓበይቲ፥ በዓላት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ መፁ፥ እቲ ኽሰግድ ኢሉ በደገ ሰሜን ዝኣተወ፥ ብደገ ደቡብ ክወፅእ እዩ፤ እቲ ብደገ ደቡብ ዝኣተወ ድማ፥ ብደገ ሰሜን ክወፅእ እዩ፤ በታ ኣንፃራ ደኣ ኽወፅእ ኣለዎ እምበር፥ ሓደ እኳ በታ ዝኣተወላ ደገ ኣይምለስን እዩ።
10
እቲ ሓለቓ ኸዓ፥ እቶም ህዝቢ ኽኣትዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ኽኣቱ፥ ንሳቶም ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ምስኣቶም ክወፅእ እዩ።
11
ብበዓላትን ብመዓልቲ ኽብረ በዓላትን፥ እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ማጕላ ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበታትውን ከም ርካቡ፥ ነንሓደ ኢፍ ኸዓ፥ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።
12
“እቲ ሓለቓ ኸዓ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና፥ ከም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ እንተሎ፥ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ትከፈተሉ እሞ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን፥ ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ከቕርብ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኽወፅእ፥ ምስ ወፀ ድማ እታ ደገ ትተዐፆ።
13
“ጐደሎ ዘይብሉ ናይ ዓመት ጡበት ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ንእግዚኣብሄር ክተቕርበሉ ኢኻ፤ መዓልቲ መዓልቲ ኽተቕርብ ኢኻ።
14
ምስ ናይዝ መስዋእቲ ብልዒ፥ ሻድሻይ ኣፍ ኢፍ፥ መለስለሲ እቲ ሕሩጭ ከዓ፥ ሳልሳይ ኣፍ ኢን ዘይቲ፥ ንግሆ ኽተቕርብ ኢኻ፤ እዝ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዙይ፥ ንሓዋሩ ስርዓት ንዅሉ ጊዜ ክኸውን እዩ።
15
ማጕላን መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን፥ ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኵሉ ጊዜ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትስውኡ ኢኹም።”
16
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ሓለቓ ንሓደ ኻብቶም ደቁ ውህብቶ እንተ ሃቦ፥ ርስቱ እዩ፤ እዙይ ንደቁ ይኹን፤ ደቁ ዝወረስዎ ርስቶም እዩ።
17
ንሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ኻብቲ ርስቱ መቒሉ፥ ውህብቶ እንተ ሃቦ ግና፥ እዚኣ ኽሳዕ ዓመት ሓራ፥ ናቱ ትኹን፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብቲ ሓለቓ ትመለስ፤ ርስትነቱ ድማ ንደቁ ክኸውን እዩ።
18
እቲ ሓለቓ ከዓ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም፤ ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይንቀልስ፥ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ኸረስትዮም እዩ።”
19
ድሕሪዙይ ንሱ ናብተን ናብ ወገን ሰሜን ዝሪኣ ናይ ካህናት ቅዱሳት ክፍሊ ኣባይቲ፥ በታ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ዘላ መእተዊት ኣቢሉ ኣእተወኒ፤ እንሆ ድማ ኣብቲ ወሰኑ፥ ንምዕራብ ኣቢሉ ዝርኢ ቦታ ነበረ።
20
ንሱ ኸዓ፦ “እቶም ካህናት ነቲ ህዝቢ ንምቕዳስ፥ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ከየውፅእዎ፤ ነቲ መስዋእቲ በደልን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዘብስሉሉ፥ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዝስንክቱሉ ቦታ እዙይ እዩ” በለኒ።
21
ናብ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ኣርባዕቲአን መኣዝን እታ ዓፀድ ከዓ ኣዞረኒ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን እታ ዓፀድ ድማ ዓፀድ ነበረ።
22
ኣብተን ኣርባዕተ መኣዝን እታ ዓፀድ ድማ፥ እተቘፀራ ዓፀዳት ነበራ፤ ምንዋሐን ኣርብዓ እመት፥ ወርደን ከዓ ሰላሳ እዩ፤ እዘን ኣርባዕተ ብመኣዝን ልክዐን ሓደ እዩ።
23
ኣብ ዙርያአን፥ ኣብ ዙርያ ኣርባዕቲአን ከዓ መንደቕ ነበረ፤ ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብዙርያ ድማ፥ መብሰሊ ተሰሪሕዎ ነበረ።
24
እዚኣተን ከዓ “እቶም ኣገልገልቲ እዛ ቤት፥ ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ዘብስሉለን እየን” በለኒ።
← Chapter 45
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 47 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48