bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ezekiel 43
Ezekiel 43
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 42
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 44 →
1
ድሕሪዙይ ናብታ ደገ፥ ናብታ ንምብራቕ ኣቢላ እትርኢ ደገ ኣውፅአኒ።
2
እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።
3
እቲ ኣነ ዝረአኽዎ ራእይ ድማ፥ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መፃእኹ ዝረአኽዎ ራእይ እዩ፤ እዝ ራእያት እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎ ራእይ ነበረ፤ ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።
4
ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ደገ፥ ናብታ ቤት ኣተወ።
5
መንፈስ ሓፍ ኣበለኒ፤ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ከዓ ኣእተወኒ፤ እንሆ ድማ ኽብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ።
6
ኣነ ኸዓ ኻብታ ቤት፥ ሓደ ኽዛረበኒ እንተሎ ሰማዕኹ፤ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ።
7
በለኒውን፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ንሓዋሩ ዙፋነይ ዝነብረላን፥ እግረይ ዝረግፃን ቦታ እዚኣ እያ፤ ቤት እስራኤል፥ ንሳቶምን ነገስታቶምን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ፥ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን፥ ኣብቲ ላዕለዋይ ቦታኦም ድሕሪዙይ ኣየርክስዎን እዮም።
8
መንደቕ ጥራሕ ኣብ መንጎይን መንጎኣቶምን ክሳዕ ዝኸውን፥ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፥ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ፤ በዝ ዝገበርዎ ርኽሰት ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ፤ ስለዙይ ድማ ብቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም።
9
ሕዚ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታቶምን ካባይ ከርሕቑ እዮም፤ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እየ።”
10
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብሓጢያቶም ክሓፍሩስ፥ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፤ ምስሊ እቲ ህንፃውን ይለክዑ።
11
በቲ ዅሉ ዝገበርዎ እንተ ሓፈሩስ፥ ንዅሉ ምስላን ስርዓታን ምእንቲ ኽሕልውዎን ክገብርዎን፥ ምስሊ እታ ቤት ኣሰራርዓዓን ነቲ መውፅኢኣን መእተዊኣን ኵሉ ምስላን ኵሉ ስርዓታን፥ ኵሉ ምስላን ኵሉ ሕግጋታን ኣፍልጦም፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከዓ ፀሓፎ።
12
ሕጊ እታ ቤት ድማ እዙይ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝባን እቲ እምባ፥ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ፥ የመና ቕዱስ እዩ፤ እንሆ ሕጊ እታ ቤት እዙይ እዩ።”
13
ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመት እዙይ እዩ፤ እታ እመት ከዓ እመትን ስድርን እያ፤ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ብዘሎ ዙርያ ኸፈፉውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ፤ እዙይ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ።
14
ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ክልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ካብቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ፥ ኣርባዕተ እመት ወርዱውን ሓደ እመት እዩ።
15
እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፤ ካብቲ መአጐዲ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸዓ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ።
16
እቲ ናይ መሰውኢ መአጐዲ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተ ኽልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዓሰርተ እመት እዩ፤ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ እዩ።
17
እቲ ሕዳግ ከዓ በርባዕተ ወገኑ፥ ምንዋሑ ዓሰርተ ኣርባዕተ እመት፥ ወርዱውን ዓሰርተ ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ፤ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸፈፍ ድማ ፈረቓ እመት፥ እግሩ ኸዓ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ፤ ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገፁ እዩ።
18
በለኒ ድማ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብኡ ምእንቲ ኸቕርቡ፥ ደም ከዓ ኣብኡ ኽነፅጉስ፥ በቲ ዝስርሐሉ መዓልቲ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዙይ እዩ፦
19
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቶም ከገልግሉኒ ኢሎም ዝቐርቡኒ፥ ካብ ዘርኢ ሳዶቅ ዝኾኑ ሌዋውያን ካህናት፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ፤’
20
ንስኻ ድማ ኻብቲ ደሙ ኽትወስድ፥ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን፥ ኣብቲ ኣርባዕተ መኣዝን ሕዳጋትን፥ ኣብቲ ኸፈፉን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፤ በዝ ኸምዙይ ክተፅርዮን ክተተዓርቖን ኢኻ።
21
ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፤ ኣብ ወፃኢ መቕደስ፥ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ኽቃፀል እዩ።
22
ብኻልኣይ መዓልቲ ኸዓ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክተቕርብ ኢኻ፤ ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘፅረይዎ፥ ነቲ መሰውኢ ኸፅርይዎ እዮም።
23
ምፅራዩ ምስ ፈፀምካ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕ፥ ካብ ኣባጊዕውን ጕድለት ዘይብሉ ማጕላ ኽተቕርብ ኢኻ።
24
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክተቕርቦ ኢኻ፤ እቶም ካህናት ድማ ጨው ክንስንሱሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከቕርቡሉ እዮም።
25
ሸውዓተ መዓልቲ ዕለት ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዲበላ ኽተቕርብ ኢኻ፤ ጕድለት ዘይብሎም ዝራብዕን፥ ካብ ኣባጊዕ ድማ ማጕላን ክስውኡ እዮም።
26
ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኸፅርይዎን ከንፅህዎን ክቕድስዎን እዮም።
27
እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ተፈፀማ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልትን ብድሕሪኣን፥ እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ከቕርቡ እዮም፤ ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 42
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 44 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48