bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Proverbs 17
Proverbs 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 16
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 18 →
1
ጐይቊ ኣብ ዘለዎ ገዛ፥ ሕሩድ ካብ ምብላዕ፥ ንቑፅ ቝራስ ምስ ሰላም ይበልፅ።
2
ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፤ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።
3
ብሩር ብመምከኺ፥ ወርቂ ድማ ብከውሪ ኸም ዝፍተን፥ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልቢ ይፍትኖ።
4
ክፉእ ሰብ ንኸንፈር በዳላይ ይሰምዕ፤ ሓሳዊውን ነታ ኽፍእቲ መልሓስ የዳምፅ።
5
ብድኻ ዘባጩ ንፈጣሪኡ ይፀርፍ፤ ብጥፍኣት ዝሕጐስውን እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።
6
ንኣረጋውያን ዘውዶም ደቂ ደቆም እዮም፤ ንቘልዑ ኸዓ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።
7
ንዓሻ ናይ ኵርዓት ኣነጋግራ ኣይግብኦን፤ ብሕልፊኳ ንበዓል ስልጣን ዘረባ ሓሰት ኣይግብኦን።
8
ጉቦ፥ ንዝቕበሎ ኸም ክቡር ዕንቊ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ቦታውን ስራሑ ይቐንዖ።
9
ፍቕሪ ዝደሊ ንበደል ይሽፍኖ፤ ነገር ዝደጋግም ግና ፅኑዕ ዕርክነት ይፈላሊ።
10
ካብ ሚእቲ ጊዜ ግርፋት ዓሻ፥ ተግሳፅ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።
11
ዓመፅ ጥራሕ ንዝደሊ ኽፉእ ሰብ፥ ጨካን መልእኽተኛ ይለኣኾ።
12
ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዘጋጥመካ፥ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽተጋጥመካ ይሐይሽ።
13
ክንዲ ሰናይ ክፉእ ንዝፈዲ ሰብ፥ ካብ ቤቱ መከራ ኣይርሕቕን።
14
ምጅማር ጐይቊ፥ ከም ኣፋስሳ ማይ እዩ፤ ስለዙይ ጐይቊ እንተይተባርዐ፥ ንስኻ ኻብ ነገር ረሓቕ።
15
ክፉእ ንዝገብር ዘፅድቕ፥ ኣብ ልዕሊ ፃድቕ ዝፈርድ፥ ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ፅሉኣት እዮም።
16
ጥበብ ንኽገዝእ ኣእምሮ የብሉን እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰነፍ መዐደጊ ጥበብ ገንዘብ እንተ ሃለወ ረብሓኡ እንታይ እዩ?
17
ፈታዊ ዅልሻዕ ይፈቱ፤ ሓው ድማ ንእዋን መከራ እዩ ዝውለድ።
18
ኣእምሮ ዘይብሉ ሰብ ቀልጢፉ ኢድ ይጠቅዕ፤ ኣብ ቅድሚ ብፃዩውን ዋሕስ ይኸውን።
19
ባእሲ ዝፈቱ ኽርክር ይፈቱ፤ ደገኡ ዘንውሕ ከዓ ውድቀት ይምነ።
20
ጠዋይ ዝልቡ ሰብ ሰናይ ኣይረክብን፤ ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ሰብ ከዓ ኣብ መከራ ይወድቕ።
21
ሰነፍ ውሉድ ዝወለደ ኣቦ፥ ይሓዝን።
22
ደስ ዝበላ ልቢ፥ ሰናይ መድሓኒት እያ፤ ሕዙን መንፈስ ግና ነዕፅምቲ የንቅፆ።
23
ሓጥእ፥ መንገዲ ፍትሒ ንምቕይናን፥ ካብ ሕቝፊ ጉቦ ይቕበል።
24
ጥበብ ኣብ ቅድሚ ለባማት ትነብር፤ ዓይኒ ሰነፍ ግና ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ።
25
ሰነፍ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፤ ንኖኡ ድማ ምረት እዩ።
26
ንፃድቕ ምቕፃዕ፥ ንኽቡራት ድማ ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ግቡእ ኣይኮነን።
27
ውሑድ ቃል ዝዛረብ ፈላጥ እዩ፤ ህዱእ መንፈስ ዘለዎውን መስተውዓሊ እዩ።
28
ሰነፍ ስቕ እንተበለ ለባም ይመስል፤ ከንፈሩ ዝቝልፍውን፥ በዓል ፍልጠት እዩ ይበሃል።
← Chapter 16
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 18 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31