bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Proverbs 4
Proverbs 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 5 →
1
ኣቱም ደቀይ፥ ተግሳፅ ወላዲ ስምዑ፤ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ ኸዓ ፅን በሉ።
2
ፅቡቕ ትምህርቲ እህበኩም ኣለኹ እሞ፥ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ።
3
ኣነውን ነቦይ ዝሰምዕ ውሉድ ነበርኩ፤ ብእነይውን እፍቶ ነበርኩ፤
4
ኣቦይ ከምዙይ እናበለ ይምህረኒ ነበረ፤ ልብኻ ንቓለይ ይቀበሎ፤ ትእዛዘይውን ሓሉ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ።
5
ንጥበብን ምስትውዓልን ኣጥርየን፤ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፤ ካብኡውን ኣይተዘምብል።
6
ንጥበብ ኣይትሕደጋ፤ ንሳ ኸዓ ኽትሕልወካ እያ፤ ንስኻ ኣፍቅራ፤ ንሳውን ክተዕቝበካ እያ።
7
ጥበብ ዓባይ ነገር እያ እሞ ኣጥርያ፤ ካብ ኵሉ ሃብትኻውን ንምስትውዓል ኣጥርያ።
8
ልዕል ኣብላ፤ ንሳውን ልዕል ክተብለካ እያ፤ እንተ ሓቝፍካያ ኸተኽብረካ እያ።
9
ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ፀጋ ኽትደፍአልካ፥ ዝፀበቐ ኣኽሊልውን ክትህበካ እያ።
10
ወደይ፥ ስማዕ፤ ንቓለይ ድማ ተቐበል፤ ዓመታት ዕድሜኻውን ክነውሕ እዩ።
11
መንገዲ ጥበብ መሃርኩኻ፤ ብመንገዲ ቕንዕና መራሕኹኻ።
12
ክትኸድ እንተለኻ፥ ንስጕምትኻ ኽዓግቶ ዝኽእል የለን፤ ክትጐዪ እንተለኻውን ኣይትዕንቀፍን ኢኻ።
13
ተግሳፅ፥ ህይወትካ እያ እሞ ሓዛ፤ ኣይትሕደጋ፤ ሓልዋውን።
14
ናብ መንገዲ ሓጥኣን ኣይትእቶ፤ ብጐደና ኽፉኣትውን ኣይትኺድ።
15
ካብኣ ረሓቕ፤ ኣይትኺዳውን፤ ኣግሊስካ መንገድኻ ኺድ።
16
ንሳቶም ክፉእ እንተይገበሩ ኣይድቅሱን እዮምሞ፤ እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ።
17
እንጀራ ሓጢኣት ይበልዑ፤ ወይኒ ዓመፃ ኸዓ ይሰትዩ እዮም እሞ።
18
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
19
መንገዲ ኽፉኣት ግና ፀልማት እያ፤ እንታይ ከም ዘዕንቅፎምውን ኣይፈልጡን።
20
ወደይ፥ ናብ ዘረባይ ኣቕልብ፤ እዝንኻውን ናብ ቃለይ ኣዘንብል።
21
ንቓለይ ካብ ዓይንኻ ኣይተርሕቃ፤ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ድማ ሓልዋ።
22
ንሳ ንዝረኽብዋ ህይወት፥ ንዅሉ ስጋኦምውን ፈውሲ እያሞ።
23
ህይወት ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እሞ፥ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።
24
ንኣፍ ልግመኛ ካባኻ ደርብዮ፤ ንሓሰውቲ ኸናፍርውን ካባኻ ኣርሕቀን።
25
ኣዒንትኻ ቐኒዐን ይርኣያ፤ ቀራንብትኻውን ንቕድሚት ይጠምታ።
26
መንገዲ ኣእጋርኻ ኣቕንዕ፤ ኵሉ ኣካይዳኻውን ይፅናዕ።
27
ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል፤ ንእግርኻውን ካብ ክፉእ ኣርሕቆ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31