bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Proverbs 3
Proverbs 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 4 →
1
ወደይ፥ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፤ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሓልዎ።
2
እዙይ ነዊሕ ዕድመ ኽህበካ እዩ፤ በረኸትን ሰላምን ከዓ ኸብዝሐልካ እዩ።
3
ሕያዋይነትን ሓቅነትን ካባኻ ኣይፈለያ፤ ኣብ ክሳድካ ድማ እሰረን፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፈን።
4
ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ሞገስን ፅቡቕ ስምን ክትረክብ ኢኻ።
5
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤
6
ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።
7
በተሓሳስባኻ ፈላጥ እየ ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ካብ ክፉእ ከዓ ረሓቕ።
8
እዙይ ንስጋኻ ፈውሲ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ፀገን ክኾነካ እዩ።
9
ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፥ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ፤
10
ሽዑ ማዕኸንካ እኽሊ ኽመልእ፥ መፅመቚኻ ድማ ብዀልዒ ወይኒ ቕፅፅ ክብል እዩ።
11
ወደይ፥ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዝቐፅዖ፥ ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ እዩ ዝቐፅዖሞ፥ እንተ ቐፅዐካ ኣይትመረር፤ ተግሳፅ እግዚኣብሄር ድማ ኣይትንዓቕ።
13
እቲ ጥበብ ዝረክብ፥ ምስትውዓልውን ዘጥሪ ሰብ ብፁእ እዩ።
14
ብወርቅን ብብሩርን ካብ ምንጋድ፥ ብኣኣ ምንጋድ ይበልፅ።
15
ካብ ክቡር ዕንቊ ትኸብር፤ ክቡር ዝኾነ ዅሉ እኳ ኣይመዓራረያን።
16
ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፥ ኣብ ፀጋማ ኸዓ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።
17
መንገዳ መንገዲ ሓጐስ እዩ፤ ኵሉ ጐደናኣውን ሰላም እዩ።
18
ንሳ ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ።
19
እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ መስረታ፤ ንሰማያት ከዓ ብምስትውዓል ኣፅንዖም።
20
ብፍልጠቱ ቓላያት ተሰንጠቑ፤ ደመናትውን ኣውሊ የንጠብጥቡ።
21
ወደይ፥ ነዚኣተን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፤ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሓዘን።
22
ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፥ ንኽሳድካ ኸዓ ሞገስ ክኾናኻ እየን።
23
ሽዑ ሃዲእኻ መንገድኻ ኽትከይድ፥ እግርኻውን ኣይዕንቀፍን እዩ።
24
ኣብ ድቃስካ ኣይትፈርሕን ኢኻ፤ ክትድቅስ ኢኻ፥ ድቃስካውን ጥዑም ክኸውን እዩ።
25
በቲ ብድንገት ዝመፅእ መዓት ኣይትድንግፅን፤ በቲ ንሓጥኣን ዝመፆም ጥፍኣትውን ኣይትሽበርን፤
26
እግዚኣብሄር ክሕልወካ፥ ብመፈንጠር ክትተሓዝ ከዓ ኣይሓድገካን እዩሞ።
27
ኢድካ ኽትገብረሉ ዝከኣላ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ነገር ኣይትኽልኣዮ።
28
ክትገብረሉ እናተኽኣለካ፥ ንብፃይካ “ኪድ ፅባሕ ተመለስ፤ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ።
29
ብፃይካ ኣሚኑ ምሳኻ ኽነብር እንተሎ፥ ኣይትተናዀሎ።
30
ምስ ዘይበደለካ ሰብ፥ ብኸምኡ ኣይትፃላእ።
31
ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፤ ኵሉ መንገዱውን ኣይትምረፅ።
32
ቀይናን ዝኾነ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርዅስ እዩ፤ ፍቕሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።
33
መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ሓጥእ እዩ፤ ንመሕደሪ ፃድቃን ግና ይባርኻ።
34
ንሱ ንመላገፅቲ የላግፀሎም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።
35
ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፤ ሰነፋት ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31