bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Chronicles 1
2 Chronicles 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 2 →
1
ሰሎሞን ወዲ ዳዊት መንግስቱ ኣፅኒዑ ሓዘ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረውን የመና ኣዕበዮ።
2
ሰሎሞንውን ንዅሉ እስራኤል፥ ንኣሕሉቕ ሽሕን ንኣሕሉቕ ሚእትን ንፈረድትን፥ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን፥ ተዛረቦም።
3
እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ዝሰርሖ፥ ናይ ኣምላኽ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ገባዖን ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞንን እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤልን ናብኡ፥ ናብቲ ዀረብታ ኸዱ።
4
ግና ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ናብቲ ንሱ ዘዳለወሉ ቦታ ኣደዪብዎ ነበረ።
5
እቲ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፥ ዝሰርሖ መሰውኢ ነሃስ ግና ኣብ ቅድሚ እቲ መሕደሪ እግዚኣብሄር ኣብ ገባዖን ነበረ። ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር የምልኹ ነበሩ።
6
ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ጥቓ ናይ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ሽሕ ከፍቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ።
7
እግዚኣብሄር ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተገለፀሉ፤ “ክህበካ እትደልዮ ጠይቐኒ” ድማ በሎ።
8
ሰሎሞን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፤ ንኣይ ድማ ኽንድኡ ኣንገስካኒ።
9
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እቲ ነቦይ ዳዊት ዝሃብካዮ ተስፋ ሕዚ ፈፅሞ፤ ብዝሓቱ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኣለኻ።
10
ነዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ነዝ ህዝቢ እዙይ ከመሓድሮ ምእንቲ ክኽእል ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ” በሎ።
11
እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን “ድሌትካ እዙይ ካብ ኮነ፥ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን ወይ ነፍሲ ፀላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ስለ ዘይለመንካ፥ ክንድኡ ነዝ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምምሕዳር ምእንቲ ኽትክእል፥ ጥበብን ፍልጠትን ክወሃበካ ስለ ዝለመንካ፥
12
ጥበብን ፍልጠትን ሂበካ ኣለኹ። ቅድሜኻ ንዝነበረ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፥ ብድሕሬኻ ዝለዓልውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን እውን ክህበካ እየ” በሎ።
13
ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ኣብ ገባዖን ዝነበረ ዀረብታ፥ ካብቲ መራኸቢ ድንኳን ተመሊሱ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ነገሰ።
14
ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣከበ፤ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰረገላን ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ። ኣብቲ ኸተማ ሰረገላታትን፥ ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣቐመጦም።
15
እቲ ንጉስ ድማ ንወርቅን ብሩርን ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ኸም ዝበዝሕ ገበሮ፤ ንዝግባውን ብዝሓቱ ኣብ ቆላ ኸም ዘሎ ሳግላ ገበሮ።
16
እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ግብፅን ካብ ቀዌን፥ በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ካብ ቀዌ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ።
17
ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ ብኢዶም የምፅኡሎም ነበሩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36